SAʴý

ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ርእሰ ብሔር ኣብ ሜክሲኮ ስልጣን ሒዛ ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ርእሰ ብሔር ኣብ ሜክሲኮ ስልጣን ሒዛ  (REUTERS)

ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ርእሰ ብሔር ኣብ ሜክሲኮ ስልጣን ሒዛ

ኣብ ሜክሲኮ ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮይና ከም እተሓረየትን እቲ ብኣኣ ዝምራሕ ፖለቲካው ውድብ ኣብቲ ናይታ ሃገር ህዝባዊ ባይቶ ኣብላጺ ከም ዝኾነ፡ እዛ ሓዳሽ ርእሰ ብሔር ካብቶም ክትገጥሞም እትጽውዓሉ ብድሆታት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓይልን ዓመጽን ናይ ገበን ጉጅለታት ኣንቀሳቐስቲ ዕጸፋርስ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጓል 62 ዓመት ክላውድያ ሸንባም፡ ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ማእከል ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ሳን ላዛሮ ህንጻ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣና ብወግዒ ከም እተረከበትን ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ርእሰ ብሔር ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ክትክእ ዝተመርጸት ከምኡ’ውን ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ነበር፡ ክላውድያ ሕጹይቲ ርእሰ ብሔር ናይቲ ጸጋማዊ ሰልፊ ሞሬና ኮይና ዝቐረበትን። ዕዙዝ ዓወት ክተመዝብ ከም ዝበቐዐትን እቲ እትመርሖ ፖለቲካዊ ውድብ ድማ ኣብ ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ቤት ምኽርን ዝበዝሐ ድምጺ ከም ዝረኸበትን ብስነ ምህንድስና ጸዓት ሊቕነት ዘምስከረት በሊሕ ተንታኒ ኣእምሮ ዘለዋ ምዃና እውን ይንገር፡  ቁጠባ ሜክሲኮ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ዳርጋ ፈጺሙ ኣይዓበየን፡ ዋጋታት ንብረት ብፍላይ ድማ ዋጋታት ዕዳጋ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ክላውድያ ዝቕባበ ቁጠባ ንምግታእ መሃዚ ነገር ክትመጽእ ትጽቢት ይግበረላ።

መንግስቲ ሜክሲኮ ምስቶም ዕጡቓት ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ካብ ቀጥታዊ ግጭት ሸለል ብምባሉ ምንቅሳቓሳቶም ከም ዘሐየሉን ድሮ ኣብዚ ሰሙን ኣብታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብማዕበል ቅትለት ትሳቐ ዘላ ሰሜናዊት ግዝኣት ሲናሎኣ ጃምላዊ ተቓውሞታት ምክያዱ ክዝከር እንከሎ። መብዛሕትኡ ኣብ ሜክሲኮ ንዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ዝትክእ ሃገራዊ ሓለዋ ሜክሲኮ፡ ዜጋታት ማእከላይ ኣመሪካ ናብ ዶብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣብ መላእ ሜክሲኮ ዝገብርዎ ጃምላዊ ስደት ደው ንምባል ዝምልከት ጉዳይ ካልእ ንክላውድያ ዓቢ ብድሆ ክኸውን ከም ዝክልን ነዚኦምን ካልኦት ዕጽፍታት ጸገማትን ንምፍታሕ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ዘይሕደስ ዕድመ ከም ዝህልዋ ዜና ቫቲካን ናይ መክሲኮ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

02 October 2024, 16:50