SAʴý

ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ኢማራት ዓረብ ብዝተገብረ ስምምዕ ምሩኻት ይለዋወጣ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ኢማራት ዓረብ ብዝተገብረ ስምምዕ ምሩኻት ይለዋወጣ  (ANSA)

ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ኢማራት ዓረብ ብዝተገብረ ስምምዕ ምሩኻት ይለዋወጣ

ሩስያን ዩክረይንን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሞንጎይናነት ብዝገብረኦ ስምምዕ መሰረት ብሐቕላላ 206 ምሩኻት ኲናት ከምእተለዋወጣ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝተፈትሑ ምሩኻት ኲናት ዩክሬን፡ ዕለት 13 መስከረም ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬንን ቤላሩስን ከም ዝኣተዉን

እቲ ምፍታሕ ብቐንዱ ነቶም ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ከተማ ማሪዩፖል ዩክሬን ዝተማረኹ ወተሃደራት - 23 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም - ዝምልከት ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ ሞስኮን ኪየቭን 103 ምሩኻት ኲናት ከም እተለዋወጣን፡ ክልቲኡ ስምምዕ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ መንጎይናነት ዝተበጽሐ ኮይኑ፥ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እቶም ዩክሬይናውያን ምሩኻት ኲናት ሃገሮም ብምእታዎም ዝተሰምዖ ሓጎስ ከም ክገልጽ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቶም ዝተፈትሑ 103 ሩሲያውያን ምሩኻት ኩናት፡ ናብ ናይ ሩሲያ ከባቢ ኩርስካ ሓይልታት ዩክሬን ድሕሪ ምእታዎም ዝተማረኹ ምንብሮም ይሕብር።

ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓይልታት ዩክሬን ንዶብ ሩስያ ስግር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ክሳብ 30 ኪሎ ሜተር ናብ ዞባ ኩርስክ ከም ዝመረሹን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ፡ እቶም ነጻ ዝወጹ ዩክሬናውያን 82 ውልቀ-ሰባትን ሳጅንን ከምኡ’ውን 21 መኮንናት ዝርከብዎም ካብ ዕጡቕ ሓይልታት፡ ኣባላት ሓለዋ ሃገር፡ ሓለውቲ ዶባትን ሓይሊ ጸጥታን ምዃኖም ከም ዝሓበረን ንዞባታት ኪየቭ፡ ዶኔትስክ፡ ማሪዩፖል፡ ኣዞቭስታል፡ ሉሃንስክ፡ ዛፖሪዝዝያን ካርኪቭን እናተኸላኸሉ እንከለዉ ከምዝተማረኹ ድማ የመላኽት።

መንግስቲ ሩስያ ዝተፈትሑ ወተሃደራታ ኣብ ቤላሩስ ከምዘለዉን “ኣድላዪ ስነ - ኣእምሮኣውን ኣካላዊ ሕክምናውን ዘጠቃልል ሓገዝ” ከምዝወሃቦምን ቅድሚ ናብ ሩስያ ምምላሶም ምስ ኣዝማዶም ክራኸቡ ከምዝፍቀደሎም'ውን ናይ ሩሲያ ማዕከናት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ እቲ ስምምዕ ብመንጎይናነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ፥ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ንዩክሬን ካብ እትወርር ንደሓር ብሰፊሑ ገለልተይና ምዃን ዝመረጸት ሃገር እያ።

16 September 2024, 16:00