SAʴý

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውዕል ሰላም ቃዛ ንምስልሳል ጸቕጢ ምግባር ትቕጽል

ጸሓፊ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ዞባ ተረኺቡ ብዛዕባ ቃዛ ስምምዕ ንኽግበር ስለ ዝደፋፍእ ዘሎ፣ ተዅሲ ንምቁራስን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንምልቃቕን ውዕል ንምግባር ዘተ ይቕጽል ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሓፊ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብዚ ዞባ እዚ ስምምዕ ንኽግበር ስለ ዝደፋፍእ ዘሎን፣ ተዅሲ ንምቍራስን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንጻ ክወጹን ውዕል ንምግባር ዘተ ይቕጽል ኣሎ ።

ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ነቲ ውዕል ንምፍጻም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 'ድልድል እማሜ' ከም እተሰማምዐ ገሊጹ።

ሓማስ ምስቲ እስራኤል ዘቕረበቶ እማሜ ኸም ዘይሰማማዕ ብምግላጽ ብፍላይ ከኣ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም ወተሃደራዊ ሓይልታት ከተጽንሕ ኸም እትደሊ ዘላ ብምግላጽ በቲ ዘቕረበቶ እማመ ፈጺሙ ኣይዓገበን ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሊንከን ኣብ ግብጺ ኢዩ ዝርከብ  ዘሎ፣ ኣብኡ ኸኣ ሰላም ንምስፋን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።

ትማሊ ሰሉስ ኣቐድም ኣቢሉ ሬሳ ሽዱሽተ እስራኤላውያን ጅሆ ተታሒዞም ዝንበሩ ኻብ ከባቢ ካን ዮኒስ ተመሊሱ ኣሎ።

እቲ ናይ ነዞም ሬሳታት ናይ ምምላስ ዕማም ብወተሃደራትን ሓባራዊ ኣገልግሎትን እስራኤል ኢዩ ተኻይዱ ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ፍልስጥኤም ብድሕንነትን ናይ ሕክምና ምንጭታትን ኣቢላ እንተ ወሓደ ትሽዓተ ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ኣብ ከተማ ቃዛ ንዝነበሩ እተመዛበሉ ሰባት ዝዕቆቡሉ ቤት ትምህርቲ ካብ እስራኤል ብእተገብረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም እተቐትሉ ይገልጹ።

21 August 2024, 16:15