SAʴý

TOPSHOT-BANGLADESH-UNREST-STUDENTS TOPSHOT-BANGLADESH-UNREST-STUDENTS  (AFP or licensors)

ባንግላደሽ፦ መራሒት መንግስቲ ሼኽ ሃሲና ብሰንኪ’ቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ካብ ስልጣና ወሪዳ

መራሒት መንግስቲ ሃገረ ባንግላደሽ ሼኽ ሃሲና ንሰሙናት ዚኣክል ተቓውሞ መንእሰያትን ተመሃሮን ኣንጻር መንግስቲ ዘስዓቦ ናዕብን ሞትን ሰላማውያን ሰባት እና ወሰኸ ብምኻዱ ብፍቓዳ ሥልጥና ብምሕዳግ ካብ ዳካ ከም ዝሓደመት ተፈሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ቈሲሎም ስለ ዘለዉ፣ ኣብ መላእ ባንግላድሽ ዓመጽን ብርቱዕ ተቓውሞታትን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተቓውሞታት ምስ ተላዕለ ብሰንኪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ዝያዳ ናዕቢ ብምግዳዱ 14 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም 95 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብት ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት። ገሊኣቶም ከም ዝገለጽዎ እዚ ዓመጻ እዚ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ እተራእዩ እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ይብሉ ።

ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ኣውራጃታት እታ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን ከም ዘቋረጸን ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ህንጻታትን ኣብያተ-ጽሕፈትን መጥቃዕቲ ኸም ዝወረደ መደበራት ፖሊስን ኣባይቲ ተወከልትን ከኣ ዘረፋ  ኸም እተፈጸመ ጸብጻብ ይስምዑ ኣለዉ።

መራሒት መንግስቲ እታ ሃገር  ሼኽ ሃሲና ጓል እቲ መስራቲ ኣቦ ሃገረ ባንግላደሽ ዝኾነ ሼኽ ሙጂቡር ራማን ድሕሪ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመትን ኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓመታትን ትማሊ ሰኑይ ስራሓ ብምቁራጽ ናብ ሃገረ ህንዲ ሃዲማ ትርከብ ኣላ ።

ኣብቲ ዝመርሓቶ ዘመና ሥልጣና ድምጺ ተቓወምቲ ኸም ዜጸልመተትን ከም ዚዓብጠትን ዚገልጽ ሓያሎ ኽስታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርግሑ። ኣባላት እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ቕድሚ እታ ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ ጥሪ እተገብረ ናይ ምርጫ መዓልቲ ምእሳሮም ብዛዕባ እቲ ኣብ ምርጫ ዝረኸበቶ ዓወት ኣሉታዊ ስምዒት ኣሕዲሩ ኢዪ።

ዝሃለፈ ሰንበት ምሸት ሰዓት 6 ናይ ድ.ቀ. መንግስቲ ኣብ ምልእታ እታ ሃገር እዋን እቶእቶ ኣመጀ ከም መስፍመራት ባቡርን ኢንተርነትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣገልግሎታት ድማ ጠፍአ። ዝሓለፈ ሰኑይ ንግሆ ኢንተርነት ምስ ተመልሰ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ናዕቢ ደው ንምባል ዝገበሮ ጻዕርታት ድማ ውጽኢታዊ ከም ዘይነብረ ተፈልጠ።

ው. ሕ. ሃ. ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንእሰያትን ተማሃሮ ዚወርድ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ዓመጻ ኸም ዘተሓሳሰቦ ድማ ገለጸ፣ እዚ ኸኣ ዘየድሊ ጕድኣት ምእንቲ ከይከሥት፣ ዓመጽን ንምውጋድን ከም ዚጣበቕ ዝገልጽ ኢዩ ዝነበረ።

ሚኒስትሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይት ባንግላደሽ ዝሃቦ ጸብጸብ ከም ዘመልክቶ ተቓወምቲ ነቲ ወተሃደራዊ ትእዛዝ እዋን እቶእቶ ዕሽሽ ከም ዝበልዎ ኣምልኪቱ፣ ትኪ ኻብቲ ህንጻ ቤተመንግሥቲ ኺመጽእ ከሎ ምስ ተራእየ፣ ዝሓልፈ ሰኑይ ንግሆ ነቲ ኣብ ዳካ ዝርከብ ወግዓዊ መንበሪ ሼኽ ሃሲና ወረርዎን ዘመትዎን።

ሃሲና ኻብ ስልጣና ከም ዝለቐቐት ምስ ተነግረ ህዝቢ ባንግላደሽ ነቲ ዓወታቶም ንምጽምባል ናብ ጐደናታት ዳካን ናብ ዝተረፈ ኽፋል እታ ሃገርን ወጹ።

ሓለቓ ሰራዊት ባንግላድሽ ጀነራል ዋከር-ኡዝ-ዛማን ግዝያዊ መንግስቲ ክምስርት ተመዲቡ ይርከብ ኣሎ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ስጕምትታት ዘተን  ምስ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር መሓመድ ሻሃብዲን ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

07 August 2024, 18:12