SAʴý

እስራኤል፡ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሚኒስተር ሓይሊ ምክልኻልን ዝሰፍሕ ዘሎ ግጭትን እስራኤል፡ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሚኒስተር ሓይሊ ምክልኻልን ዝሰፍሕ ዘሎ ግጭትን 

እስራኤል፡ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሚኒስተር ሓይሊ ምክልኻልን ዝሰፍሕ ዘሎ ግጭትን

ሚንስተር ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ጋንትዝ ካብ መንግስቲ እስራኤል ከም ዝለቐቐን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ዑደት ካካይድ ምዃኑን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሂዝቦላህ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስን እቲ ውግእ ኣብ ገማግም ምዕራባዊ ዮርዳኖስ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሚኒስተር ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ጋንትዝ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ካብ መንግስቲ እስራኤል ክወጽእ ከም ዝወሰነን እዚ እውን "ናታንያሁ ናብ ሓቀይና ዓወት ከይንሰጋገር ይኽልክለና ኣሎ፡ ካብቲ ህጹጽ መንግስቲ እስራኤል ኣባልነትና ነልዕል፥ እዚ ውሳኔ እዚ እውን ከቢድ እንተኾነ ዘድሊ እዩ" ከም ዝበለን፡ እዚ ቃላት እዚ እቲ ሚኒስተር ዕለት 9 ሰነ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐን ካብ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ከምዝወጸን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዘቕረቦ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ መግንስቲ እስራኤል ንክወጽእ ዝነበሮ ውሳኔ ኣብ ማእከል ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት 4 ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ናጻ ክልቐቑ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዝፈጸሞ ስርሒት ክሳብ ሸቶኡ ዝወቅዕ ኣሰጋጊርዎ ከም ዝጸነሐን፥ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር ቤን ግቪር፡ ኣብቲ ምስ ሓማስ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘሎ ግጭት ንምግጣም ዝተመስረተ ህጹጽ መንግስቲ እስራኤል ክጽንበር ብወግዒ ከም እተሓተተ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ዝምልከት ረቂቕ ውሳኔ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ክወሃብ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ሓቲታ ከም ዘላን፡ ኤንቶንይ ብሊንከን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ምብጻሕ ከካይድ ከም ዝኾነን፡ ብሊንከን፡ ቅድሚ ምስ መርሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ምርኻቡ፡ ምስ ናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ዓብደል ፋታሕ ኣል - ሲሲ ንኽራኸብ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ከካይድ ከም ዝኾነን። ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ተወሳኺ ምሩኻት ምፍታሕን ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክስሕቡ ዝኽልክሉ ተጻብኦታት ደው ምባልን ኣብ ዝብል ዝከረ ነገር ክመክር እዩ።

እቲ ግጭት ንወሽመጥ ቓዛ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ ዕለት 10 ሰነ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሂዝቦላሕ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣንጻር ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ጸረ - ነፈርቲ ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ክልተ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ማእከላይ ምብራቕ ተወኪሱ ይሕብር።

10 June 2024, 15:58