SAʴý

እስራኤል ንመሬት ዶብ ቓዛ ትቆጻጸር እስራኤል ንመሬት ዶብ ቓዛ ትቆጻጸር 

እስራኤል ንመሬት ዶብ ቓዛ ትቆጻጸር

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ዶብ ምስርን ወሽመጥ ቓዛን ዝኸይድ ፊላደልፊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መተሓላልፎ ከም እተቖጻጸረቶ ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ዶብ ምስርን ወሽመጥ ቓዛን ዝኸይድ ፊላደልፊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራኽቦ መስመር ከም እተቖጻጸረቶ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣፍሊጡ፥ እቲ መተሓላልፎ ሓማስ ናብ ቓዛ ኣጽዋር ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ከም ዝነበረን ሓይልታት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ 20 ጉርጓሕ ከምዝረኸበን ክሕብሩ እንከለዉ፥ እዚ 14 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብ 1982 ዓ.ም. ሓውሲ ደሴት ሲናይ ካብ እስራኤል ናብ ምስሪ ዝተመሰ ከም ዝኾነን፡ እዚ እውን ኣብ መንጎ ምስርን እስራኤልን ሰላም ንምምጻእ ዝተበጽሐ  ስምምዕ መሰረት ብምግባር ኮይኑ፡ በቲ ውዕል መሰረት ምስሪ እውን ብወገና ንስራኤል ኣፍልጦ ከም ዝሃበት ይዝከር። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ጻቺ ሃነግቢ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ክሳብ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እዛ ዓመት እዚኣ ኪቕጽል ከም ዚኽእል ሓቢሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ልዕሊ 50 ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝኾነኑን ብዘይ ገደብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክበጽሕን እቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ እስራኤል ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕል እውን ከም ዝሓተቱ ኣፍሊጡ።

31 May 2024, 14:39