SAʴý

2024.10.03 ጉጅለታት መጽናዕቲ፡ ዕላማታት ናብ ሲኖዶስ የቕርቡ 2024.10.03 ጉጅለታት መጽናዕቲ፡ ዕላማታት ናብ ሲኖዶስ የቕርቡ  (Vatican Media)

ጉጅለታት መጽናዕቲ፡ ዕላማታት ናብ ሲኖዶስ የቕርቡ

ዕለት 2 ጥቅምቲ እተገብረ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣባላት እተን ኣብ ወርሒ ለካቲት ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተመስረታ ዓሰርተ ጕጅለታት ነቲ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዚምልከት ቲዮሎጊያዊ ኮነ ሕገ ቐኖናዊ መዳያት ንምጕላሕ ምስ ተወከልቲ ሰለስተ ኻልኦት ሽማግለታት ኰይኖም ነቲ ኽሳዕ ሕጂ እተገብረ ዕዮን ንመጻኢ ዚኸውን ተስፋን ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተራ ደቂ ኣንስትዮን ተኽእሎ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርገ ድቁናን ብሰንኪ ኲናት ምብራቓዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሎ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ፤ ኣብ ኣፍሪቃ ንብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው “ጓሳዊ” መቓርብ፤ ኣዋጅ ወንጌል ኣብ ዘመነ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምዕባለን፤ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ካህናትን ከምኡውን ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘሎ ርክብ፡ ሓደስቲ ጳጳሳት ንምምራጽ ዝሕግዝ መዐቀኒታት፡ “ ሲኖዳዊ” ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ስራሕ ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ከምኡ’ውን ዘተን: ዝብሉ ነጥብታት ዕለት 3 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ብጉጅለ ተወዲቡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ከም እተዳህሰሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው

ሓደ ካብዚኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝፍጠር ዝተሓላለኸ ጉዳይ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው ዝብል ልምዲ ኮይኑ፡ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝተሳተፉ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ካብ ኮንጎ፡ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ብጉስነት “ንብዙሓት ኣንስቲ ዝምርዓዉ እምነት ክርስትና ዝተቐበሉ ሰባት” ወይ “ድሕሪ ምልዋጥ ብብዙሓት ኣንስቲ ዝተመርዓዊ ዝተጠመቑ ሰባት” ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይራ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሰንዮም ከም ዝኾነት ዝብርሕ ጸብጻብ ከም ዘቕረቡን፥ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ንሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ቡራኬ ምሃብ ንዝብል ብስኢል ተኣምኖ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ዝቐረበ ሓሳብ ተቓውሞ ዝገለጻ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ሕጂ ብተራአን ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ ዓሰርተ ኣንስቲ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ናይ ህጻናት፡ ቁጠባዊ ጸገማትን ስምዒታዊ ምትእስሳርን ብዝምልከቱ ጉዳያት ገዛእ ርእሳ ኣብ ሕቶ ተእትው፡ ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምክሪ ጳጳሳት ሕብረት ኣቦ መንበር እዚ ተርእዮ ዝኽተሎ ዝተፈላለየ መልክዕ ከምኡ’ውን ድርኺትን ንናይ ቤተ ክስቲያን ሰረተ እምነት እውን ዝምልከት ጉዳይ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ጠመቓዊ ካቶሊካዊ ትምህርቲ፡ ንብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው “ከምቲ ኣምላኽ ዝደለዮ ከም ዘይኰነ” ይገልጽ። ሎሚ ግና እዚ እኹል ኣይኮነን: ሰልዚ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምቕራብን ምስማዕን ምድጋፍን የድሊ እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ብጉጅለ ክኢላታት ዝካየድ ዕዮ ዝምልከቶ ክኸውን እዩ።

ተራ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ኣንስትዮ ዲያቆናት

ናይ ዓነቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ብስም እቲ ጉጅለ ብዛዕባ “ኣገልግሎት ቅጥዕታት” እንክዛረቡ፥

“ተሃድሶ ገለ ካብ ርድኢታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” – ኣብ ከም በዓል ወንጌል ሓሴት፡ ፍቕርቲ ኣማዞን፥ ይንታዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ሰነዳት – ዝተነብሩ “ሕማቕ ተቐባልነት” ከምዝረኸቡ ርእይቶ ሂቦም፡ ኣብቲ “ተኣፋፊ ጉዳይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወትን መሪሕነትን . . .  ቤተ ክርስትያን" ድማ ብሰፊሕ ከም ዘተኮሩን

እዚ ድማ ብር.ሊ.ጳ. “እቲ ጉዳይ ገና ከምዘይበሰለ ዝቝጸር ወግዓዊ መርገጺ ር.ሊ.ጳ. ንፈልጦ ኢና” እንክብሉ የነጽሩ። “ብኣተሓሳስባ ቅዱስ ኣቦና ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ክህሉ ዝኽእል ድቁና ቅድሚ ምዝራብ ገና ክድህሰሱን ክፍታሑን ዘለዎም ካልኦት ጉዳያት ኣለዉ” መሰረት ካርዲናል ፈርንዳንደዝ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ እቲ ሓደጋ ድቍና “ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት ምጽንናዕ” ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ኮይኑ፡ “እቲ ዝያዳ ወሳኒ ዝኾነ ጉዳይ ተሳትፎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግን ሸለል ተባሂሉ ይቕጽል ኣሎ።”

ብዝኾነ መንገዲ፡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽፍሐት ብዛዕና ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ኣርእስቲ ዘካይዶ “ዓሚቝ መጽናዕቱ” ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን “ሓቀይና ስልጣን ዝነበረን” (ማቲልዳ ናይ ካኖሳ፡ ሂልደጋርድ ዘቢንገን፡ ጆኣን ዘኣርክ፡ ተረዛ ናይ... ዘኣቪላ፡ ማማ ኣንቱላ፡ ዶሮቲ ደይ) ምስ ምስማዕ ሎሚ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዋላ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ከም ኢንዶነዥያን ኣፍሪቃን ጐሊሑ ዝረአ ተራ ዝጻወታ ደቂ ኣንስትዮ።

በዚ ኸምዚ፡ ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ ጉዳይ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ “ይቕንስ” እኳ እንተሃለወ “ዝያዳ ወሳኒ ህላወ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ቦታታት ከነስፍሕ ንጽዕር ኣለና” ኢሎም።

ኣውያት ድኻታት

ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጽናዕትታት ናይቲ ንኣውያት ምድርን ድኻታትን “ንምስማዕ” ዝውፈ ጉጅለ’ውን ማእከላይ እዩ።

ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ክርስትያንን እቶም መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ፍትሕን ምዕባለን ዝሰርሑን ዘሎ ምትእስሳር ብኸመይ ከም ዝሕይል ትኹረት ናይቲ ኣተሓባባሪት ኣውስትራልያዊት ሳንዲ ኮርኒሽ ዝተዘርዘረ ኣስተንትኖታት ኮይኑ፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ . . . ኣብ ኵሉ ኽፋል ዓለም፡ ካብቶም ዝደኸዩ ኣዚየን ኣብ ድኽነት ዝርከባ እያተን።”

“ንዓመታት ዝተገለሉ ጉጅለታት፡ ከም ግዳያት ኣድልዎ ዓሌት” እውን ኣቓልቦ ክወሃቦም እዩ።

ድሮ ብዛዕባ እቶም ዕንቅፋታት ድማ ምስ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃገረ ስብከትን እውን ተዘተይሎም እዩ ዝበሉ ኮርኒሽ ኣስዒቦም እዞም ዕንቅፋታት እዚኦም ምሓዝን ጭቡጥ ምላሽን ከነቓቕሑ ከምዝኽእሉ የመልክቱ።

ብኲናት ዝዓነዋ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት

ናብ እዋናዊ ፍጻመታት ብምታው ድማ፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያት ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውድዮ ጉገሮቲ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ዝነበረ ድራማዊ ኩነታት: ቦምባታት: ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንተስፋ እውን ብዘሰንብድ መልክዑ ዘጥፍኡ ሓደጋታት ኩናት” ኣጕሊሖም፣ ንሓደ “ንእሽቶን ተኣፋፍን” ዒላማ ብምግባር ንምብራቓዊ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ኲናት ዝተሃስየ ከባቢታት ዝምልከት ጉዳይ እውን እዩ።

ኣስዒቦም “ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ምጥፋእ ሓደጋ የጓንፈን ኣሎ፣ ክሳራአን ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዘይዕረ እዩ ዝኸውን” እንክብሉ የጠንቅቑ።

እቲ ጉጅለ፡ “ነቶም ዝሓየሉን ዝተወደቡን ላቲናውያን፡ እቶም ኣሕዋትና ድሕሪ እቲ ካብ ዓዶም ዝኸበደ ስደት ብዝሓሸ ኣገባብ ንኽነብሩ ክሕግዝዎም” ዝብል ዕማም ንምብጋስ ሓሲቡ ኣሎ።

ነዚ ጉጅለ’ዚ ዝኸውን መደብ፡ ሓገዝ ነተን ዝበዝሑ ምመናነን ኣብ ስደት ንዝርከብወን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን - ኣብ ትሕቲ ሓልዮት እቲ ናይ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝጠቓለል ምዃኑ የጉልሑ

ብስነ ኣሃዝ ኣተራቀ ዓለምን ኣዋጅ ወንጌልን

ካብ ሓቀይና ዓለም ክሳብ ብስነ ኣሃዝ እትራቕቀ ዓለም ኪደት ስብከት ወንጌል ዛዕባ ዝምልከት ኣርእስቲ ድማ ኣመሪካዊ ክኢላ ኪም ዳኒኤል ንስራሕ ጉጅለ ስብከት ወንጌል ኣብ ምናባዊ ዓለም ብስእሊ የቕርብ፥

“ሓድሽ ናይ ተልእኾ ወንጌል ገጽ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን” “ናብ ወሰናስን ክንበጽሕ የኽእለና” ከምኡ’ውን “ንጐይታ ኣብ ዘይትፈልጦ ዓለም ንቀዳማይ ኣዋጅ ጐይታ” ይውክል።

ብርግጽ ናይዚ “ፈሰስ ቦታ” ዕድላትን ብድሆታትን ምፍላጥ የድሊ፣ እዚ ቤተ ክርስቲያን ንምብህልታው ተግባራዊ ኪደት ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ስነ ፍልጠትን ክኢላታት ዝሓቖፈ፤ ስርሑ ብሰፊሕ ምስማዕ ብዝብል ተግባር ዝልለ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ብስነ ኣህዛ እተራቀ መርበባዊ ባህሊ ንዝነጥፉ መንእሰያት፣ ቀዳምነት ጴጥሮሳዊ ስልጣን ኣብ ኵላዊ ማዕቀፍ

ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ቀዳምነትን ዘሎ ርክብ፤ ቅዱስ ቁርባናዊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፤ ከምኡውን ምስ ክርስትያናዊ ምንቅስቓሳት ተሃድሶ ዘለዎ ምትእስሳር እዚ ብጳጳስ ጳውሎስ ሩሃና ተራዳኢ ጳጳስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ ዝኽተል ሰበኻ ጆውቤን ሳርባን ጆኒየን ዝውከል ጉጅለ መጽናዕቲ ክትንተን ዘለዎ ነጥብታት እዩ።

እቲ መደብ፡ “ፍረታት ምቕባል ምእመናን ጉዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ልምድታት” ከምኡ’ውን ገለ “ግብራዊ እማመታት ንኣተገባብራ ጴጥሮሳዊ  ኣገልግሎት ኣብ ሓድሽ ኵላዊ ቅርጺ” ዘጠቓልል ምዃኑ የረድኡ።

እቲ ሰነድ ጳጳስ ሮማ ንኣኼባታትን ኣስተንትኖን መሰረት ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፡ ተመኩሮታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝቐውም ሓዳርን ኣባይቲ ስድራን ምንቅስቓሳትን ድማ ነቲ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባናዊ ኣቀባብላ ዝግበር ኣስተንትኖ ንምስፋሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ “ብመንፈስ ምልውዋጥ ህያባት ካብኦም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል” ንምርዳእ ዝግበር ኪደት ኣብ ልዕሊ ዘይ ሃይማኖታውያን ምንቅስቓሳት “ኣወታዊ” ኣረኣእያ ክህሉ ዝገብር እዩ።

ኣብ መንጎ ሰባትን ተዋሳእትን ዘሎ ርክብ

ዕዮ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘለዎም ዝምድናን ዝያዳ ብጥብቂ ቤተ ክርስቲያናዊ እዩ። ጳጳስ ሙንስተር ፌሊክስ ጀን “ኣብ መንጎ ጳጳስን ከባብያዊ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ምዕማቝ” ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ እዚ እውን ብመንጽር እቲ “ትጽቢት ህዝቢ ኣምላኽ” ንዝዓበየ “ግሉጽነት”፤ ንከባብያዊ ኩነታት ዝያዳ ኣኽብሮት ምሃብ፤ “ብውዲት ከይጥርጠር ኣብ ምምራጽ ሕጹያት ዝያዳ ተሳትፎ ናይ ከባብያዊት ቤተክርስትያን”፤ ከምኡ’ውን ምስሊ “ናይ ብሓቂ ሲኖዶዊት ቤተ ክርስቲያን” ምምላስ ኣድላይነት ይጥለብ።

ውፉይ ሕይወት

“ሕብረት”፣ “ሃይራርን”፣ “ሲኖዳውን”፤ ግን ከኣ “ምትእምማን”፣ “ሕውነትን - ኣሓትነትን ንጉጅለ መጽናዕቲ ብዛዕባ ዝምድናታት ጳጳሳትን ውፉይ ሕይወትን ዝመርሑ መፍትሓውያን ቃላት እዮም፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታትን ዓበይቲ ሓለፍትን ቤተ ክርስቲያናዊ  ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝግበር ምትእኽኻባትን ምትሕብባርን።

ናይ ሰብ ውፉይ ህይወት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ሲሞና ብራምቢላ፡ ብፍላይ “ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዘሎ ርክብ ኣብ ምንባር ኣገባባት ፍልልያትን ንኡሳን ነገራትን” ክምርምር ምዃንይ ገሊጸን። ኣብ ገሊኡ ክፋላት ዓለም፡ “እቲ ዝምድና ውጽኢታውን ፍረ ዘለዎን፡ ኣብ ገሊኡ ድማ በዳሂ፡ እዚ ብድሆ እዚ ድማ ንሰብ ውፉህ ህይወት ብተግባራዊ ኣገባብ ጥራሕ ምርኣይ ዝብል ምዃኑ የብርሃ።

ሲኖዳዊ ገምጋም ‘ሬሽዮ’ ንካህናት

ካርዲናል ኾሴ ኮቦ ካኖ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ዝተሰተፍ ነቲ ናይ ገምጋሚ ሓላፍነት ዝስከም ጉጅለ ወኪሎም፣ ካብ “ሲኖዳዊ ተልእኾ ወንጌል ኣረኣእያ”፣ ብመሰረት ናይቲ ኣብ 1985 ዝተዳለወ ብዛዕባ መርትዖ ህይወትን ቅዋመን ኣገልግሎትን ካህናት ዝገልጽ ሰነድ ኣቕሪቦም።

እቲ መርትዖ  ይብሉ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳኣት ካርዲናል ኮቦ ካኖ “ሕጂ’ውን ቁዉም ዝኾነ ንጹር መምርሒ የድልዮ” ምስ በሉ፥ ብብዙሕ “ቁንጣሮ” እማመታትን ርድኢታትን ኣቢሉ፡ ኣብ ከም ምቛም ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ ኣገልግሎት ካህናት፡ ጉስነት ጸዋዕታታት፡ ምስ ጳጳሳት ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ትምህርቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዓቢ “ቅንስል” ናይ ኣንፈታት ክዳሎ እዩ ከም ዝበሉን፥

ሓድሽ ኣገባብ ስራሕ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስት መንበር

ኣብ መወዳእታ፡ እታ ናይ መወዳእታ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ብመሰረት  ናይ ሲድነይ ሊቀ ጳጳስ ኣንቶኒ ፊሸር “ንህሉው ተራ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዳግማይ ክሕሰበሉን ከምኡ እውን ሲኖዳውነት ኣብ ሞንጎ ጳጳሳትን” ዝብል ዕማም ናይ ዝተህባ፥ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ልሙድን ባባህላውን ዕማማት ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ዘይኮነ "ሓድነት፡ ሕውነት" ኣብ ምዕባይ "ህሉው ተራ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዳግማይ ክሓስበሉን፣ ከምኡውን ሲኖዶስነት ኣብ መንጎ ጳጳሳት ዘነቓቕን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

04 October 2024, 17:25