SAʴý

ንህጻናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዓለማዊ ኪዳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተጀሚሩ ንህጻናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዓለማዊ ኪዳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተጀሚሩ 

ንህጻናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዓለማዊ ኪዳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተጀሚሩ

ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ሕጻናት፡ ሕጻናት ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከባ ኦበይቲ ኣባይቲ ሕክምና ብዘራኽብ ሓድሽ ተበግሶ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለማዊ ምሕዝነት ንህጻናት ንዝብል ዕላማ ብምስዓብ ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህጻናት ህኽምና ክወሃብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕላማ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ንሓደ ሚልዮን ህጻናት ሕክምና ምቕራብ ዝብል ከም ዝኾነን እዚ ተልእኾ ድማ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለማዊ ኪዳን ንጥዕና ህጻናት ዝብል ሓድሽ ኣህጉራዊ መርበብ ክንክን ጥዕና ህጻናትን ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ተበግሶ’ዚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጠበቓ ኣባይቲ ሕክምና ሕጻናት ዓለም ብዝብል መጸውዕ ብዝፍለጥ ማሕበር ዝምራሕ ከም ዝኸውን የመላኽት።

21 September 2024, 16:48