SAʴý

2024.09.28 ዕላማ ሲኖዶስን 'ዘበን ኣምጸኦ ቅዳዊ' ተሃድሶታትን 2024.09.28 ዕላማ ሲኖዶስን 'ዘበን ኣምጸኦ ቅዳዊ' ተሃድሶታትን  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ዕላማ ሲኖዶስን 'ዘበን ኣምጸኦ ቅዳዊ' ተሃድሶታትን

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ካልኣይ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዝምልከት ንካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ቤልጅየም ዝሃብዎ ቃል የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ክጅመር ቀሪቡ ዘሎ ሲኖዶስ ቀዳምነት ዝህቦ እንታይ እዩ? ቀንድን ኣገዳስን ዕላማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳዊ ተሃድሶ እንታይ እዩ?  ዝብል ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራስለስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ኮከልበርግ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዋፈሩን ኣብ ዝተራኸብሉ ጉባኤ ዝቐረበሎም ሕቶ እዩ።

“መስርሕ ሲኖዶስ . . . ናብ ወንጌል ምምላስ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። ‘ዘበን ኣምጸኦ ቅዳዊ’ ጽገናታት ቀዳምነት ምሃብ ዘይኮነስ፡ ‘ነቲ ዘይሰምዕ ኮይኑ ዘሎ ወይ ካብ እምነት ዝረሓቐ ሕብረተሰብ ከመይ ጌርና ወንጌል ከነብጽሕ ንኽእል?’ ዝብል ሕቶ እዩ። ኩላትና ነዚ ሕቶ እዚ ንገዛእ ርእስና ነቕርብ።”

"ዘበን ኣምጸኦ ቅዳዊ" ዝኾነ ጽገናታት የለን። ብሓደ ወገን - ንተግባራዊ ለውጢ ዝጣበቑ ግን ከኣ ኣብ መወዳእታ ንዓለማውያን ምቕሳስ (ዓለማውያን ቀሲሳውያን ናይ ምግባር) ዝገብሩ ዝክረ ነግራት፡ ወይ’ውን እቶም - ብኻልእ ወገን - ብሓድሽ ቀሲሳውነት ዝተጸልወ ሕሉፍ ዘመን ንምምላስ ዝዓለሙ ዝክረ ነገራት ቦታ የብሎምን።

ክልቲኦም ኣብ መወዳእታ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም ዝገለጽዎ ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ንዘሎ ሕብረተሰብ ወንጌል ምዋጅ ዝብል ህጹጽን መሰረታውን ዝኾነ ሕቶ ዘነኣእሱ ኣረኣእያታት እዮም።

ክልቲኦም እዞም ኣረኣእያታት ኣብ መወዳእታ ነቲ እንኮ ሓቀይና ዕላማ ዝኾነ ይኹን ተሃድሶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሕነት ነፍሳት: ሓልዮት ቅዱስ እሙን ሕዝበ ኣምላኽ ዝርስዑ እያቶም።

ንሕቶ  ቅዱስነቶም ናብ ማእከል ብምምላስ፡ እዚ ድማ ምኽንያት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ንጽቡቕ ሂወትን ሓልዮትን ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ብምቕማጥ፡ ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንምንባር ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑ ንጹር ይኸውን።

ነቶም ብዘይ ድሌቶምን ብቓላት ጥራይን ዝቕበልዎ፣ ገና ምስ ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝነበሩ ኣገባባት ተኣሲሮም ብተግባር ዝጸንሑ ካህናትን ዓለማውያንን ተወሳኺ ምልከ ቤት ጽሕፈታዊ ዕማም ​​ኣይኮነን። ንነፍሲ ወከፍ ናይ ዓለም ዝኾኑ ተበግሶ ንምምኽናይ ዝሕግዝ መተሓላፊ ኣይኮነን።

የግዳስ ሲኖዳውነት ምሉእ መግለጺ ናይ ሓደ ዝንበር ሓድነት እዩ። ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንምስክረሎም እንኽእል ኩላትና ብእግዚኣብሔር ከም እንፍቀር ምስ እንፈልጥን ወንጌል ብሓጎስ ምስ እንነብሮን፡ - ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ይኹን ተራ ይሃልወና - ብኻልእ ከም እንጽዋዕን፡ ከምኡ’ውን ንቤተ ክርስቲያኑ ዝመርሓ ንሱ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

28 September 2024, 17:00