SAʴý

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኒውዮርክ ንመበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኒውዮርክ ንመበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት  (©Lewis Tse Pui Lung - stock.adobe.com)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኒውዮርክ ንመበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ ዕለት 22 ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ነው ዮርክ ብላዕለዋይ ደረጃ መንግስታት ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉን መደረ እውን ከስምዑ ከም ዝኾኑን፥ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ቅድስቲ መንበር ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነተሉ ዝኽሪ መበል 60 ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ዝካየድ መበል 79 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኒውዮርክ ከም ዝገሹ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ በዚ መሰረት ድማ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ናይ ውድብ ህቡራት ሃገራት ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሃገራትን መንግስትን መራሕትን ኣብ ዘራኽብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉን መደረ እውን ከስምዑን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት ኣባልነት ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም የመላኽት።

መበል 79 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቅዋም ሕቡራት ሃገራት ዝተመርኮሰ ብዙሕነታዊ ፍታሕ ኣብ ምድንፋዕን ዝክረ ነገር እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክኸወን ዝተሓንጸጸ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ንምትግባር ዝግበር ጻዕርታት ምቅልጣፍን ኣብ ዝብል ኣርእስታት ዘተኮረ ከም ዝኸውንን ካብቶም ዘተ ዝግበረሎም ኣርእስታት እውን ብቀዳምነታት ደገፍ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን፣ ምድንፋዕ ዘላቒ ልምዓት፣ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ከባቢ ኣየርን፣ ዝርአ ዘሎ ምጥፋእ ብዙሕነት ህይወትን ብከላን ዝብሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 September 2024, 16:56