SAʴý

2024.08.22 Scholas Occurrentes Mendonca 2024.08.22 Scholas Occurrentes Mendonca 

ካርዲናል ደ ሜንዶንሳ ናብ ስኮላስ ኦካረንተስ ኣርጀንቲና በጺሖም

እቶም ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኮኑ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተመስረት ኣህጉራዊ ማሕበር ስኮላስ ኦካረንተስ ናይ መጀመርታ ስፍራኡ ንምዕዛብ ናብቲ ኣብ ቦናስ ኣይረስ ኣርጀንቲና ዝርከብ ባሪዮ 31 በጺሖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ህየተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ ሜንዶንሳ ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመስረትዎ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ሥነ ትምህርቲ  ዝዀነ ታሪኻዊ ቐንዲ ቤትጽሕፈት ስኮላስ ኦካረንተስ በጺሖም ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ብፁዕ ካርዲናል ደ መንዶሳ ናብታ ኣብ ቡኤኖስ ኣይረስ እትርከብ ባሪዮ 31 በጺሖም፣  ምስ መስረትቲ ሾላስ ሆሴ ማሪያ ደል ኮራል ከምኡ ውን ምስ ኤንሪኬ ፓልሜሮ ተራኸቡ ።

እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ሊቀጳጵሳት ቦናስ ኣይረስ ዝነብሩ ብፁዕ ካርዲናል  ጆርጅ  ማርይዮ በርግልዮ ምስ እዞም ክልተ መስረትን ድሕሪ እቲ ብ2001 ዘጋጠመ ቕልውላውን ዕንወት ባህልታትን፣ ኻብ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ማሕበራዊ ኽፍልታትን ዝመጹ ተማሃሮን መምህራንን ኣኪቦም ሕብረት ከማዕብሉ ጀመሩ።

ዓብዪ ስድራ ቤት

ብመሰረት እቲ ስኮላስ ኦካካረንስ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ደ መንዶንሰ ኣብ ከም እኒ ቡኤኖስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ቪላ ፊዮሪቶ ዝኣመሰለ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይታ ሃገር ኣብ ዝግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝሳተፉ መንእሰያት ዝሃብዎ እተፈላለየ ምስክርነት ክሰምዑ ዕድል ረኽቡ፣ ከምኡውን ኣብ ክፍለ ሃገር ቻኮ ኣብ እትርከብ ኤል ኢምፐነሬብል ውን በጽሑ ።

እዞም ካርዲናል ኣብ መንጐ ሓደ ዓብዪ ስድራቤት ብምርካቦም እተሰምዖም ሓጐስ ብምግላጽ ነቲ ኣጋጣሚ ዘለዎም ምስጋናኡ ገለጹ ። የዒንትኻ እናፈረኣያ ተስፋ ኺስምዓካ ኸሎ ብዙሕ ቃላት ክትጠቅም ከም ዚግባእ ድማ ኣመልከቱ።

ወሲኾም ድማ ምስቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዋህቦ ተልእኾ ብምስምማዕ ኣብቲ ስኮላስ ዝዓየሉ ዘሎ ዓውድታት ትምህርታውን ባህላውን ጽላታት ክተሓባበሩ ሓላፍነት ከም እተሰምዖም ገለጹ።

ምሳሌ ሕልምታትን መከራን

ብፁዕ ካርዲናል ደ መንዶንሳ በቶም ኣብ ባሪዮ 31 ዝርከቡ መንእሰያት ማሕበረሰብ ስኮላስ ጻውዒት ምስ ቀረበሎም ኣብቲ ትምኒቶምን ስቓዮምን ዝግለጸሉ መንእሰያት ዝወደብዎ መደባት ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ውን ኣወፈዩሎም ። ነዞም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ኣብቲ መደብ ተረኺቦም ነቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ግድላት ናይ ህይወትን ወሳኒ ኩነታትን ብዝምልከት ምስክርነትን መግለጽን ከካፍልዎም ሓተትዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እተኻየደ ብስኮላስ ኦካረንተስ እተወደበ መደብ ውን እዞም ብፁዕ ካርዲናል  ተሳቲፎም ኢዮም ።

ኣብ ባሪዮ 31 ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዚግበር ንጥፈታት

ከም እኒ ሊጋ ኢንተርናሽናል ውድድር ኵእሶ እግሪን ኵዕሶ መርበብን፣ መኸተ ጕስጢ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ባህላውን ስነ - ጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ኣብቲ ብ2018 ብጳጳስ ናይ ሮማ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ  እተመረቐ ኣብ ባሪዮ 31 ዝርከብ ታሪኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሾላስ ተኻዪዱ ኢዪ ።

ኣብታ ኸተማ እቲኣ ከምኡ ውን መደባት ምርኢት ድራማታት ኮሎን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ዓመታዊ ከኣ ካብ ናይ እብራይስጢ መንበረ ጥበብ የሩሳሌም ዝመጹ ተወከልቲ ተማሃሮን ገለ ኻብተን ኣገደስቲ ኣህጉራውያን ትካላት ትምህርትን ይሳተፉ ኢዮም።

ኣብ ኢንዶነዥያ ዚርከብ ሓድሽ ቦታ

ኣብዚ እዋን እዚ ስኮላስ ኦካካረንተስ ኣብ 70 ሃገራት ብቐጥታ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ ሓሙሽተ ኽፍለ-ዓለም ይርከብ ኣሎ። ብዕለት 4 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርካዊ ምብጻሕ ናብ ኢንዶነዥያ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ናይ መጀመርታ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይዚ ማሕበር ክትምስረት ኢዩ።

24 August 2024, 09:16