SAʴý

2024.08.23 Meeting Rimini mons Fisichella 2024.08.23 Meeting Rimini mons Fisichella 

ሊቀ-ጳጳሳት ፊዚሸላ፦ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ጽንኩር እዋናት 'መገዲ ተስፋ' እያ

እቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊዚኬላ ኣብዛ ስዒባ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዘለዎ ኣገዳስነትን ሕድገት ሓጢኣት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቑ ምዃኑን ገለጹ፣ ካብዚ ህያብ እዚ "ዚዕደግ ነገር ስለዘይኮነ ካብኡ መኽሰብ ክገብር ዝኽእል የልቦን" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተስፋን ይቕረ ምባልን፦ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተን ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዘወሃህዱን ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊዚኬላ ኣብ ዝሃብዎ መገለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በታ ናይ ኣዋጅ “ተስፋ ኣይተሕፍንር ኢያ!” ዘርእስታ መልእኽቶም  ብዛዕባ ቅድስቲ ዓመት ኢዮቢኡእል ንምግላጽ ዘቕረብዎ ኽልተ ቐንዲ ቓላት “ተስፋን ምሕረትን” ኢያትን ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣብቲ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ብፁዕነቶም ናይ "ዓመት ኢዮቤል 2025" ፍረ ነገር  ሕብረትን  ሓርነትን ኣብ ዝብል ኣርእስትታ ዘተኮረ ኢዪ ዝነበረ "ብዘይ ተስፋ ንቐንዲ ነገር ህይወት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ከአ ተዘክሮኦም ገለጹ። "ተስፋ ምስ እምነትን ፍቕርን ተተሓሒዙ ንኣነባብራ ሓደ ኣማኒ ስለ ዘመልክት ንክርስትያናዊ ህይወት ኣገዳሲ ኢዩ" በሉ።

ተግባራዊ ዝኾነ ተስፋ

ብፁዕ ቀ-ጳጳሳት ፊዚኬላ ኸም ዝገለጽዎ እዚ ኣዋጅ ዓመተ ኢዮቤል፣ ኣብ ሓድነት ክልተ መዳያት እተመርኰሰ እዩ፣ እዚ ኸኣ ተስፋ ናይ ምሃብን ናይ ምስታፍን ከምኡውን ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓልን ጭቡጥ ምልክታት ተስፋ ናይ ምፍጻምን ክእለት እዩ። እቲ ብፁዕነቶም ኣብ መግለጺኦም ተስፋ "ንመላእ ቤተ-ክርስትያንን ንደቅሰባትን ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዕዞ ምግባር" ከም ዘጠቓልል እውን ኣዘኻኸሩ ስለዚ ኸኣ ኢና ንጋድያን ኣብ ጕዕዞ ዘለና ዝዀንና። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን መዓልታዊ ዓመጽ ዝመልኦ ብምህላውና" ክብሉ ኣመልከቱ።

ስርየት ሓጢኣት ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ህየንተ ቀጺሎም "ካብ ስርየት ረብሓ ምግባር" ዝብል መግለጺ ብመደምሰስ ክድምሰስ ዘለዎ ሓረግ ኢዩ። ነዛ ግሲ እዚኣ ፈጺመ ኣይጥቀመላን እየ፣ ፈጺመ እውን ክጥቀመላ ኣይደልን እየ ። ዚዕደግ ስለዘይኮነ ካብኡ ዚረብሕ ወላ ሓደ እኳ የልቦን" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ስሬት ሓጢኣት ካብ እግዚአብሔር ዝወሃበና ጸጋ ኢዩ፣ "ዓመት እልልታ ከአ ናይዚ ምሕረት ኸም እተዋህበና እትእውጅ ዓመት እያ" በሉ።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፊዚኬላ ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ይቕረ ምባል ንሕሉፍ ዝይቅይሮ ዘይኰነስ ንመጻኢ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንነብር ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ኣጕሊሖም እዮም ክብሉ ኣስመሩሉ። እዚ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ዜድሊ መምርሒ ከኣ እዩ በሉ ።

"ቂምን ዓመጻን ሕነ ምፍዳይን ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋሁ፣ ዓመት ኢዮቤል ነቲ ዓብዪ ውህበት ኣምላኽ ከተዘኻኽረና እያ እትመጽእ። ይቕረ ምባል ምሕረት ጸጋ ደኣ እምበር ተቓሊስና እንወርሶ ነገር ኣይኰነን። ካብኡ መኽሰብ ምርካብ ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ። እቲ ኣምላኽ ምሕረተይና ከም ምዃኑ እንረኽቦ ተመክሮ ኣብ ጕዕዞ ኢዩ ዝርከብ፣ ማለት ኣብ ንግደት በቲ ቅዱስ ማዕጾ ብምሕላፍ ናይ እምነት ጸዋዕታን፣ ግብሪ ሰናይን ዝሓትት ኢዩ ። እቲ መልእኽቲ ከአ ኣምላኽ ክረኽበና ከም ዝመጸ እዩ" በሉ።

ናይ ወንጌል ጽባቐ

ሊቀ-ጳጳሳት ፊዚኬላ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ውዳቤ ዓመተ ኢዮቤል ዚግበር ዘሎ ዓበይቲ ዕዮታት ኣጕልሐ፣ ብድሕሪ እቲ መድረኽ ወትሩ ብዓይኒ ዘይርአ ጻዕሪ ኸም ዚግበር ድማ ገለጹ።

"ነዚ ምምስሳል እዚ ኽጥቀመሉ እንተ ኽኢለ፣ እቲ ዕዮ ክሓልፍ ኢዩ፣... እቲ ኣገዳሲ ነገር በቶም 40 መዳልያታት ብምዕዋት ኣቢልና ነዚ ተመክሮ እዚ ከነስተማቕሮ ምምራሕና እዩ።" ይኹን እምበር እቲ  ልቢ ዘሎ ባህጊ፣ ቤተ-ክርስትያን ዓመተ ኢዮቤል ኣቢላ "ንጽባቐ ወንጌል ንዅሉ ሰብ ናይ ንምብሳር ሓላፍነት ከም ዘለዋን ብዝያዳ ኽትኣምን ከም እትኽእል ንምግላጽ ኢዩ። ምኽንያቱ ዓመት ኢዮቤል ፍሉይ መግለጺ ስብከተ ወንጌል ኢዩ።"

ከንቲባ ሮሜ ኣብ ምድላዋት

ኣወሃሃዲ ኮሚሽነር ዓመተ ኢዮቤልን ከንቲባ ከተማ ሮማን ሮበርቶ ጉልተሪን ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣቢሎም ብዛዕባ እታ ቅድስቲ ዓመተ ኢዮቤል "ንሓደ ሰብ ኬርዕድ ዚኽእል ብድሆ" ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ እውን ከም ዝዀነ ገለጸ ። ነታ ርእሲ ኸተማ ሃገረኢጣልያ "ጽብቕቲ ኣሳልጦ ዘለዋ ከምኡውን ንዅሉ እትሓቍፍ" ንምግባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስቲ "ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተሓበረ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ሓድነትን ተግባራዊ ንምግባር፣ ንፍጥረት ንምክንኻን ከምኡውን ንዅሉ ብዝበለጸ መገዲ ናይ ምቕባል ግዴታኣ" ኸም እትሰማማዕ ንምግባር እውን ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብታ ዓመት ሰላሳን ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ ነገድያን፣ ኣብ መዓልቲ ከአ ልዕሊ 100,000 ዝኾኑ ነዛ ከረማ ክበጽሕዋ ከም ዝመጹ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሮማውያን ድሉዋት ዚዀኑሉ ቝጽሪ ምዃኑ እቲ ኸንቲባ ኣስፊሑ ገለጸ።

24 August 2024, 17:57