SAʴý

2024.09.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓቀይና ጽባቐ ንኻልኦት ምሕላይ እዩ' 2024.09.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓቀይና ጽባቐ ንኻልኦት ምሕላይ እዩ'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓቀይና ጽባቐ ንኻልኦት ምሕላይ እዩ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልኡኽ ናይቲ ብጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ (CEI) ዝምወል ውጥን “ሓለውቲ ጽባቐ” ብምርኻብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዝነብሩ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ሓቀይና ጽባቐን ስኒትን ንዓለም ክመልሱ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ጽባቐ ሓሳብ “ካብ ምስ ዘይነጻጸል ውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንላዕሊ ምስ ናይ ምዝንጋዕን ንግዳዊን መወዓውዒን መዐቀኒታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ኣሎ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ እዚ ዝተዛብዐ ሓሳብ “ንሰብኣውነትን ተፈጥሮን ናብ ዕንወት ይመርሕ” . . .

እዚ ብናይ ኢጣልያ ጳጳሳት ዝምራሕ ናይ ሓባር ትካልን ንመኽሰብ ዘይሰርሑን ትካላትን መንግስታዊ ትካላትን ከም መተባብዒ ንቍጠባዊ ዕቤት መጠን ኣብ ስራሕን ጽባቐን ዘተኰረ ሓድሽ ኣርኣያ ማሕበራዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዝዓለም እውን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ልኡኽ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ማሕበር ንዝሰርሖ ስራሕ ብምምስጋን፡ ስም ናይቲ ውጥን ጭርሖ ጥራይ ዘይኮነስ ንኽልተ ዓበይቲ ዕላማታት ማለት ሓልዮትን ጽባቐን ዝዓለመ ምርጫ ሕይወት ምዃኑ ኣመልኪቶም።

“‘ሓለውቲ ጽባቐ’ ምዃን ዓቢ ሓላፍነት እዩ፣ ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ንኹሉ ሕብረተሰብን ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ።”

ሓልዮት ክብሪ ኩሉ ንምሕላው ዝግበር ማሕበረሰባዊ ጻዕሪ እዩ

ሓልዮት ምሕላው፡ ምዕቃብን ምክልኻልን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ህሉው ዝንባለታት ምውጋድ፡ ቀጻሊ ቆላሕታን ውልቃዊ ተወፋይነትን ዝሓትት እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዓቕሙን ክእለቱን፡ ብብልሓቱን ልቡን፡ ብዓይኒ ውሁድ ሓልዮት ፍጥረት ንኻልኦት፡ ንሓባራዊ ቤትና፡ ሰናይ ክገብር ዝኽእለሉ ማሕበረሰባዊ ጻዕሪ እዩ።

ሓቀይና ሓልዮት፣ ኪኖ ኣከባቢ ናብ ሓደ ምህዳራዊ ራእይ ክዝርጋሕ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ዝነብሩን ብሕብረተሰብ ዝተነጸሉን: ድኻታት፣ ስደተይናታት፡ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ዘጠቓልል ናብ ምህዳራዊ ራእይ ክዝርጋሕ ኣለዎ፡

“ሎሚ፡ ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስሉጥን ርህራሄ ዘይብሉን ሕብረተሰብ ኣብ ወሰናስን፡ ዝተደርበዩ፡ ዝተረሰዑ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡ ድኻታት፡ ስደተይናታት፡ በይኖም ዝኾኑ ኣረጋውያንን ስንኩላንን፡ ሕዱር ሕሙማት። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።”

ኣብ ሸለልትነት ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ሓቀኛ ጽባቐ ምምላስ

ስለዚ ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ውጥን ንብዙሓት ዝተረስዑን ኣብ ሕራጎት ዝተረፉ ቦታታት ዳግማይ ንምሕያል ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣተባቢዖም፣ ነቶም ኣብቶም ቦታታት ንዝርከቡ ሰባት ቀዳምነት ክህቡ እንክላበዉ፥

“ብኸምዚ መንገዲ ጥራይ ኢኻ – ንፍጥረት ናብ ጽባቐኡ ትመልሶ።”

ዘመን ኣምጸኦ ቅዲ ጽባቐ ናብ ዘዋርድ ሰብኣውነትን ተፈጥሮን ይመርሕ

ኣብዚ መዳይ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብኣውነትን ተፈጥሮን ዘዋርድ ግዝያውን ንግዳዊ ስነ - ጽባቐን ዘወርድ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ጽባቐ ዘለዎ ድጋዊ ርድኢት ነቒፎም። የግዳስ ሓቀይና ጽባቐ ቅዱስ፡ ፍሉይ፡ ንፍጥረት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ፡ ጸጋን ሰናይነትን ዘወሃህድ፡ ስነ - ጽባቐን ግብረ ገባውን ፍጽምና ዘወሃህድ ነገር እዩ።

ስለዚ ኣብ መደምደምታ ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ውጥን ኣብ ቃልሲ ተወፋይነቶም ንቅዱስ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት “ትሑትን ስቕ በሃልን” ሓላዊ ኢየሱስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ምምላስ ጽባቐን ስኒትን ዘለዎም ተራ ክሕቆፉ ኣተባቢዖም፤ “ቅዱስ ዮሴፍ በቲ ብልቦናኡን ትጉህን ተኣማንነቱ ንዓለም ጽባቐ ኣብ ምምላስ ኣበርክቶ ገይሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 October 2024, 16:41