SAʴý

2024.10.02 ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን፡ 'ተኣማንነት ዘለዎም መሰኻኽር ሓድነትን ኵኑ' 2024.10.02 ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን፡ 'ተኣማንነት ዘለዎም መሰኻኽር ሓድነትን ኵኑ'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን፡ 'ተኣማንነት ዘለዎም መሰኻኽር ሓድነትን ኵኑ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ሳሶንያ ንዝመጹ ነጋድያን ኣባላት ጉባኤ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መንፈሳዊ ትርጉም ንግደት፣ ሓድነት ኣብ እምነትን ተራ ውልቃዊ ምስክርነት ኣብ ምስፍሕፋሕ ክርስትያናዊ ተስፋን የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ጥቅምቲ ንግሆ ካብ ፈደራላዊት ጀርመን ዞባ ሳሶኒያ ብናይቲ ዞባ ወንጌላዊት ሉተራን ቤተክርስትያን ጳጳስ ቶቢያስ ቢልዝን ከምኡ እውን ብናይ ካቶሊካዊ ሃገረ ስብከት ድሬስደን-ማይሰንን ጳጳስ ሃይንሪኽ ቲመርቨርስ ዝተመርሑ ብጠቕላላ 80 ኣባላት ጉባኤ ሕብረት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካልኣይ ክፋል መበል 16 ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳስት ብወግዒ ንምኽፋት ቅድሚ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕዳን እውን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንፈሳዊ ሃብቲ ንግደት

ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ኣብ ድሕሪ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ክፍሊ ነቶም ልኡካን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንክብሉ ተቐቢሎም፥ ነቲ “ኣብ እግዚኣብሔር ጥራይ ብምውካል፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ንግደት ከም ጉዕዞ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ምዃኑ ዳግማይ ንምርካብን ንምክፋልን ዝዓለመ Auf dich hoffen wir allein - ኣባኻ ጥራይ ኢና ተስፋ ንገብር!" ብዝብል መርሕ ቃል ዝተመርሐ ተበግሶ ንዘዳለዉ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተስፋን ሓጎስን እምነት ምስ ኩሉ ምክፋል

ብርግጽ እምነት ውልቃዊ ህያብ ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ካብ እምነት ርሒቖም ወይ ገና እምነት ዘይበጸሖም ሰባት ክተካፍሎ ዝግብኣካ ጸጋ እዩ፡ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ድማ ብውልቅን ተኣማንን ዝኾነ ምስክርነት ወሳኒ ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፣ ነቶም ነጋድያን ናይ እምነት ትርጕምን ተስፋን ሓጐስን ንዅሉ ሰብ ብምትእምማንን ብትሕትናን ከካፍልዎም ኣተባብዕዎም ብሕታውን ትውክልቲ ዝግበሮን ምስክርነት መሰረታዊ ምዃኑ ድማ የጕልሑ፡

“ሎሚ ህይወት ብዙሓት ሰባት እቲ ዓለም ክትህቦ ዘይትኽእል ትርጉምን ተስፋን ሓጐስን የብሎምን። ስለዚ ትርጉሙን ተስፋን ሓጎስን እምነት ምስ ኩሉ ሰብ፡ ብተኣማንነትን ብትሕትናን ከተካፍሉ እላቦ።”

ተኣማንነት ዘለዎ ምስክርነት

ቢሎም ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝብል ተልእኾ እታ ጕጅለ ከምኡውን ነቲ ኢየሱስ ብንግደትን መዓልታዊ ናብራን ኣቢሉ ሓድነት ንኺህሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ንምስዓብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ንኢዶም፡ ነቶም መብዛሕትኦም ኣባላት እታ ጕጅለ ብናጻ ብምግልጋል እሙን ምስክርነት ኣብ ምቕራብ ንዝሳተፉ ወለንተይናታት ብውዕዉዕ ስምዒት ኣመስገኖም። ነቶም ናይ "ድረዝድነር ካፐልክናበን" መዘምራን ብሙዚቃ ኣቢሎም ፍሉይ ምስክርነት ዘቕርቡ ብምዃኖም ድማ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡን፥

"ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ብፍላይ ከኣ ሙዚቃ ዅሉ ሰብ ዝርድኦን ንሰባት ክትንክፎምን ከነቓቕሖምን ዝኽእልን ቋንቋ ኢዩ . . . ዝተፈላለየ ድምጽታት ብዘደንቕ ስኒት፣ ዝቐርብ፣ ንብዙሓት ዝጥርንፍ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዘዘኻኽረና እዩ” የቐንየልና! ስለቲ ምስክርነትኩም የቐንየልና!”

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ጨው ምድርን ብርሃን ዓለም"ን” ምዃን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጀርመናውያን ነጋዶ ሓቢሮም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ክጓዓዙን ተስፋ ክምስክሩን ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ጨው ምድርን ብርሃን ዓለም" ዝብል ወንጌላዊ ቃል ብምጥቃስ እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ንኣሽቱ ተግባራት እምነት ብጸጋ ኣምላኽ ክዓቢ ከም ዝኽእል ዘነጽር እዩ . . .

ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ኣብ ድሬስደን ፕሮቴስታንትን ካቶሊካውያንን ክርስትያናት ንውድቀት መንደቕ በርሊን ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ንዳግማይ ውህደት ጀርመን ኣበርክቶ ዝገበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቶም ነጋድያን ነቲ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንግደቶም ዕለት 3 ጥቅምቲ ከም ዝዘከርዎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ንሓድነት ክርስትያንን ናብ ሕብረት እግዚኣብሔር ዝገብርዎ ሓባራዊ ጉዕዞን ዘመልክት ጉጅለ ብሓባር ኣብነ ዘበሰማያት ጸሎት ደጊሞም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

03 October 2024, 15:56