SAʴý

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ከፊቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካልኣይ ጉባኤ ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ንዘተ ክፉት ልቢ ከምዘድልን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ስኒት ኣገዳሲ ምዃኑን ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መኽፈቲ ቅዳሴ ሓፈሻዊ ባይቶ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብ ምስሊ "ድምጽን ዕቝባን ሕጻናትን" ኣተኲይሮም ኣብዛ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ሓለውቲ መላእኽቲ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፥ "ድምጺ ናይቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ መልኣኽ ንምስማዕ፡ ዝሃቦ ትእዛዝ ይዝክሩ።

ነቲ መንገዲ ንምርዳእ ምጽዓር

ቤተ ክርስቲያን ብሲኖዳዊ መንገዲ ጉዕዞኣ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ “ጎይታ ታሪኽን ሕልምን ተስፋን ዓቢ ህዝቢ ኣብ ኢድና የቐምጥ” በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ትሰፍሕ። ንተጋባእያን ሲኖዶስ “ኣብቲ ጐይታ ዝደልዮ ቦታ ንምብጻሕ ክንክተሎ ዝግበኣና መንገዲ ንምርዳእ ብሓባር ክጽዕሩ ድማ ዓዲሞም

መንፈስ ቅዱስ ንዝሓሰቦ ስኒት ዘጋጥሞ ዕንቅፋታት ንምእላይ፡ ድምጺ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክንሰምዕ፡ ንኣበርክቶ ኩሉ ክፉታት ክንከውን ኣሎና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተቐባሊ ሕቑፊ፡ መዕቆቢ ቦታ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣምር መዕቆቢ ኣኽናፍ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብምምስሳል “እግዚኣብሔር ዝህበና ምልክት፡ ከምኡ’ውን ንሕና ክንስዕቦ ኣብነት እዩ . . .  ናይ ነፍሲ ወከፍ ህያባት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ሃብቲ እዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ ንሓድሕድና “ናይ ምቕባል ሕቝፍን መዕቆብን” እናቐረብና፡ ንሓድሕድና ክንራኸብ ፍቓደይናታት ክንከውን ኣሎና።

"ብዘፍቅሩናን ዘኽብሩናን ዘድንቑናን ኣዕሩኽ ከም ዝተኸበብና ብዝተገንዘብና መጠን፡ ነቲ ክንብሎ ዘለና ክሰምዑ ዝደልዩ ኣዕሩኽ፡ ብዝያዳ ብፍቓድናን ብግልጽን ሓሳብና ክንገልጽ ናጽነት ክስምዓና እዩ።" ” ።

ከም ንእሽቶ ቆልዓ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቲ ዘቐመጦ ምስሊ ሕጻን መሰረት ገይሮም ኢየሱስ ከም ሕጻናት ኩኑ እንክብል ዝመሃሮ ኣብነት ምብዝካር “ክልወጡን ከም ሕጻናት ክኾኑን ዓዲሞም።”

እቲ ኣብ ሰማይ ዝዓበየ፡ እቲ ከም ቆልዓ ንእሽቶ ዝኸውን እዩ - እዚ ስግንጢር እዚ “ንዓና መሰረታዊ እዩ . . . ሲኖዶስ ግድን ብዛዕባ ዓበይትን ኣገደስትን ጉዳያት ዝከታተል እኳ እንተኾነ፡ “ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ነቲ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ኣኼባታትናን መኣዲ ስራሕናን ብቐጻሊ ዘቐምጦ ህጻን ክንስሕቶ ዘይብልና”።

"ብንፋስ መንፈስ ቅዱስ" ተመርሑ ቢሎም፥ “ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት ስለዘሎ፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ንኹሉ ንምእዋጅ፡ ነዚ ዓቕለሲያዊ ጉዕዞ ብዓይኒ ኩነታት ዓለም ንጀምሮ” ምስ በሉ፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንህያብ ሰላም በማላድነታ ክንልምን ቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ ንሰላም ዝምህለል ጸሎት መቑጸርያ ክመርሑን ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክህሉ ሰንበት ናይ ጸሎትን ጾምን መዓልቲ ክኸውን ኣዊጆም፡ ምእመናን “ብሓባር ክጓዓዙ ዓዲሞም፥ ንጐይታ ሰሚዕና “ብንፋስ መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ” ንፍቀድ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 October 2024, 16:37