SAʴý

2024.10.04 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃገረ ኪርጊስታን ርእሰ ብሔር 2024.10.04 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃገረ ኪርጊስታን ርእሰ ብሔር  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃገረ ኪርጊስታን ርእሰ ብሔር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኪርጊስታን ርእሰ ብሔር ሳድይር ዛፓሮቭ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 4 ጥቅምቲ ናይ ሃገረ ኪርጊስታን ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላግር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቤተ ክርስቲያን

ኣብዚ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኪርጊስታንን ዘሎ ሰናይ ዝምድናን፡ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲትያን ኣብ ዓውድታት ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ባህልን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ መዳያት ህይወት ኣብ ሓድሕዳዊ ምትሕብባር እተካይዶ ኣበርክቶ ዘማእከለ ምይይጥ እውን ምክያዱ ኣመላኺቱ፡ ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ርእይቶታት ብምልውዋጥ ቀጺሉ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀጻሊ ግጭታትን ሰብኣዊ ጉዳያትን ብምትኳር፣ ኣገዳስነት ህጹጽ ተወፋይነት ኣብ ምድንፋዕ ሰላም ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

ቀጸ በረኸት ናይ ምልልዋጥ ስነ ስርዓት

ኣብ መወዳእታ ኣብ መግኖ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ዛፓሮቭ ገጸ በረኸት ናይ ምልዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ኣስተንፎ ዝገበረ ዘፍጥረትን ንኹሉ ሰብ ምክልኻልን ዝጠልብ ለበዋኦም "ፍቕርን ለውሃትን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተቐርጸ ሓወልትን ብዛዕባ ሓዋርያዊ መንበር  ዝገልጽ ናይ ስእሊ መጽሓፍን ቅዳሕ ናይ ሎሚ ዓመት መልእኽቲ ንሰላምን ከም ዝለገሱሎምን ርእሰ ብሔር ዛፓሮቭ ብወገኖም ንር.ሊ.ጳ. ካብ ሕብራዊ ሱፍ ዝተሰርሐ ምስሊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፤ ከምኡ’ውን ካብ ዕደናታት ከባቢ ብዝተረኽበ ብሩር ብኢድ ዝተሰርሐ ባህላዊ ኩባያታት ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ክርጊዝስታን
04 October 2024, 17:38