SAʴý

ር.ሊ.ጳ. ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ትሕትን ሲኖዳዊትን ቤተ ክርስቲያን ይሓትቱ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካልኣይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዓለም ናይ ሰላምን ይቕሬታን ተልእኾኣ ክትፍጽም ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ትሕትትን ሲኖዳዊትን ቤተ ክርስቲያን ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ይሓትቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ዘሎ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን የስተንትኑ።

ቀጻሊ ጉዕዞ

ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ኣብ ጉዕዞ ከምዘላ ብምዝኽኻር፡ ነቲ እግዚኣብሔር ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ዘቐመጦ ተልእኾ ዘንጸባርቕ፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምዋጅ ሰላም ምምጻእ ዝብል ምዃኑ ከም ዘስመሩሉን፡ ብዛዕባ ተራ መንፈስ ቅዱስ ከስተንትኑ እንከለዉ "መንፈስ ቅዱስ ነቲ ድርቅና ዝመልኦ ልብን ድሌትን ይጠውዮ፡ ነቲ በረዳዊ ኩነታት የምክኾ፡ ነቲ ቁሪ ናብ ማሙቕ ይቕይሮ፡ ንዝጋገ ስጉምትታት ድማ ይመርሕ" ክብሉ ኣዘኻኺሮም። ብፍላይ ሰብኣውነት ናይ ተስፋ ምቑራጽን ምፍልላይን ፈተናታት ኣብ ዝገጥመሉ ናይ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ህሞታት መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ከም ዝህሉ ኣረጋጊጾም፥ ወሲኾም “መንፈስ ቅዱስ ንብዓትና ደሪዙ የጸናንዓና፥ ምኽንያቱ ህያብ ተስፋ እግዚኣብሔር ስለ ዘመሓላልፍ ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ይቕረታ ከምዘድልየና ንምፍላጥ ዝድርኽ ትሕትና ኣመልኪቶም፥ ነዚ ድማ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ዋዜማ ሲኖዶስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ንስሓን ዕርቅን መወከሲ ገይሮም እቶም ዝተጋብኡ ጸጋ ዕርቂ ዝረኣዩሉ እውን ምንብሩ ዘኪሮም፡ "ካብ ካልኦት ንበልጽ ኢና ዝብል ግምታትናን ትዕቢትናን ንጎኒ ገዲፍና ብሓቂ ብዝያዳ ትሑታት ኮይንና ዲና?" እንክብሉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ኣብ ውሽጥና ፍቕርን ፍስሃን ዘቃጽል ሓዊ፡ ንኹሉ ደቂ ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ዝሓቁፍ ኣዝዩ ሓያል ፍቕሪ እዩ እንክብሉ ገሊጾም . . . ኣተሓሒዞም ቀጻሊ ይቕሬታ ​​ከምዘድሊ ንቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ምዝኽኻሮም፡ "እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስለዝኾነ እዩ" ኢሎም። ተሳተፍቲ ነቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት ኣምላኽ ከንጸባርቑ ኣተሓሳሲቦም፡ "ንኻልኦት ይቕረ ናይ ምባል ድልውነትና ካብ ብግዚኣብሔር ይቕረ ምብሃልና ካብ ዘሎና ናይ ገዛእ ርእስና ርግጸይና ዝኾነ ተመኮር እዩ ዝውለድ፡ ኩሉ ግዜ ንኻልኦት ይቕረ ክንብሎም" ዓዲሞም፥ ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስ ክዛረቡ ኸለዉ ድማ እዚ መስርሕ እዚ ግዝያዊ ፍጻመ ጥራይ ዘይኰነስ ቀጻሊ ጕዕዞ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጉባኤ ተጋባእያን ኣቡናት ተራ ምመናን ካህናት ከምኡውን ደቂ ተባዕትንዮ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ንምሕረት ኣምላኽ ብሓባር ንናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝዓዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣገዳስነት ናይ ዓለማውያን ተሳትፎ

ቅዱስነቶም ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ናይ ዓለማውያን ተሳትፎ ኣገዳስነቱ እንክጒልሑ፥ ኣብ ጉባኤ ዓለማውያን ኣባላት ምህላዎም ንስልጣን ጳጳሳት ከምዘየጉድል ኣብሪሆም። እንታይ ደኣ ንኣድላይነት ምትሕብባር ዘጉልሕ ዝምድናዊ ባህሪ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዘሐይል። . . . “በይኑ ዝድሕን የለን” እንክብሉ ድማ ብኣጽንዖት የስተብህሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጥበብ እቲ ኣብ 1965 ዓ.ም. ሲኖዶስ ኣቡናት ዝመስረተ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ጠቒሶም፥ ሲኖዶስ ቀጻሊ ናይ ምምሃር መስርሕ ከም ዝዀነን እዚ ድማ ነቲ ቤተ - ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ክትሕደስን መደብ ኣምላኽ ንምፍጻም ክትጐዓዝን ዘለዋ ተልእኾ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ እውን ቤተ - ክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ኣጸቢቓ እትፈልጠሉ መስርሕ ትምህርቲ ኢዩ” ዝበልዎ ብምዝኽካር፥“ብተስፋን ብትሕትናን ኣብ ጎይታ ብምውካልን ብሓባር ኢና ነዚ ጉዕዞ ንገብሮ ዘለና” እንክብሉ ካልኣይ ክፋል ዕዮ መበል 16 ሓፈሻዊ ሲኖዶስም ይኸፍቱ።

03 October 2024, 16:00