SAʴý

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ ሉቫን፡ 'ንዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ምግባርን ምዕያይን ቀጽሉ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ተማሃሮ ናይቲ መበል 600 ዓመት ቅዋሜኡ ናይ ዘብዕል ዘሎ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ሉቫን ብምርኻብ፡ ተስፋኦም ከሰጉሙ፡ ንዝሓሸ መጻኢ ክዓዩ ኩሉ ግዜ ስነ መጽናዕታዊ ትምህርቶም ድማ ሓቂ ክደልዩን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካልኣይ ምሉእ መዓልቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቤልጅየም ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ መደብ ምስ ተመሃሮ ናይቲ መበል 600 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ወሩይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቫን ከም እተራኸቡን ኣብኡ ምስ በጽሑ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ምሕደራ ናይቲ መንበረ ጥበብን ዋና ኣሓዳሪት መንበረ ጥበ ሉቫን ፍራንሲይስ ስመትስ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ቅድሚ ናብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምእታዎም ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ከም ዘንበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብተምሃሮ ዝቐረበ ደብዳበ

እቶም ተማሃሮ ኣብ ኣርእስታት ሓላፍነት ናይ ሓባር ቤትና፡ ተራ መናብርተ ጥበብ ኣብ ምዕባይ ንቕሓትን ለውጥን፡ ከምኡ’ውን ኣድላይነት ሓድሽ ባህላውን መንፈሳውን ኣገባብ ንምምካት ህሉው ስነ ምህዳራውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝምልከት ኣስተንትኖኦም ዘንበሩሉ ደብዳበ ከም ዘቕረቡሎምን እቲ ደብዳቤ ድማ

ውጽኢት ናይቲ ብዛዕባ ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና እትምልከት ቅዱስነቶም ‘Laudato si’ - ስቡሕ ኣንተ” ብዝብል ኣርእስታ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልኽቲ ዝተማእከለ መምሃራንን ተመሃሮን ብሓባር ናይ ዘሳተፈ ሓባራዊ ዘተን ጻዕርን ውጽኢት እዩ።

እቲ ደብዳቤ ፍልስፍናውን ስነ - መለኮታውን ሱር ናይዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ከባቢ ኣየር፤ ተራ ስምዒታትን ተወፋይነትን፤ ጉዳይ ዘይምዕሩይነት፤ መርገጺ ደቂ ኣንስትዮን ኣቕዋም ርዝነት ርእሰ ምቁጽጻር ኣተሓሳስባን፤ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ቅድሚ ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየር ምትሕግጋዝ ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ሓሙሽተ ኣርስታት ዘተኮረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተስፋ ፈጺሙ ኣየጉህይን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም ተመሃሮ ንመጻኢ ዘለዎም ስክፍታታት ብምክፋል ምዉቕ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ድሌት ፍትሕን ኣብ ምድላይ ሓቅን ዘሎ “ኒሕን ተስፋን” ንኢዶም፡ ኣብታ ደብዳበ ዝተልዓሉ ሓያሎ ጉዳያት፡ ማለት ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ዓለም ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ምዝመዛ ጸጋታትን ህዝብታትን፡ ከምኡ’ውን ቤተክርስትያን ንሕሉፍ መግዛእታዊ ዕብለላ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ሕጋውነት ኣብ ምግባር ዝነበራ ሓላፍነት ኣፍልጦ ከም እተዋህበሉን ቅዱስነቶም ንዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ንዕብለላ መጋበርያ ክጥቀም እንከሎ፡ ንኣምሳል ኣምላኽ ዘሕስር ምጥምዛዝ እዩ እንክብሉ ኮኒኖም፥

ኣብ ቅድሚ እዚ ክፍኣት እዚ፡ እቶም ተማሃሮ ተስፋ ዘየጉህይ ወይ ዘየፍሽልን ምዃኑ ኣሚኖም ተስፋኦም ክሰጉሙ ሓድራ ከም ዝበሉን፥

ንሕና ጎይቶት ናይቲ ኣምላኽ ዝሃበና ፍጥረት ኣይኮንናን

ቅዱሰንቶም ናብቲ ኣብ ደብዳቤ ዝተላዕለ ማእከላይ ሕቶ ብዛዕባ ርክብ ክርስትናን ስነ ምህዳርን ምልስ ቢሎም ሰለስተ ክልምዕዎ ዘለዎም ኣተሓሳስባታት ድማ የጉልሑ፥ ብቐዳምነት ኣብ ምስጋና ናይቲ ንደቂ ሰባት ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ፍጥረት ኣምላኽ ኣተኲሩ፣ “ጐይቶት ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ ኣጋይሽን ነጋዶትን” ገይሩ እዩ ፈጢሩና፡ እቲ ካልኣይ ኣተሓሳስባ ድማ ተልእኾ እዩ፣ ንመጻኢ ወለዶታት ፍጥረት ክንከላኸልን ከነማዕብልን ግዴታና እዩ፡ ምስ በሉ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ሓያል ቁጠባዊ ረብሓታት ብምስፋሑ ንምዕቃብ ኣከባቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ደጊሞም ስክፍታታቶም ብምቕራብ፥ “ንሕና ዕዱማት እምበር ወነንቲ ኣይኮናን” ብምባል ነቶም ተማሃሮ “ንምልማዕ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነስ ፍጥረት እውን ኣብ ግምት ከእትዉ” ኣጽኒዖም ምስ ዓደሙ፥

“ዲያብሎስ ብጁባታት እዩ ዝኣቱ፡ ዕዳጋታት መላኺ ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ ናይ ሓባር ቤትና ስቓይ ክቕጽል ድማ እዩ!”

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ንኣምላኽን ንሰብኣውነትን እሙን ምዃን፡ ንኣካላዊ፡ ግብረ ገባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ሸነኻት ህይወት ወዲ ሰብ ዘኽብርን "ንኹሉ ዓይነት ጭቆናን ምንጻግን ምግላልን ካልኦትን ዝቃወምን" ንውሁድ ኩለንተናዊ ምዕባለ ተወፋይነት ክግበር ኣተሓሳሲቦም። ቤተ ክርስቲያን "ነዚ ግህሰታት ትኹንኖ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንነፍሲ ​​ወከፍ ኣባላታ፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ ፍትሕን ሓቅን ንምልዋጥ ትውፈይ፡”

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ናብ ጽሬተ - ሓድጊ (መስተውዓልትን ጥዑያትን ቆልዑ ብምዋልድ ንዓሌት ወድሰብ ባህሪኡ ንምምሕያሽ ዝምልከት ስነ - ፍልጠት)፡ ሳይበርነቲክ (ብዛዕባ መትንታትን ሓንጐልን ከምኡ ድማ ምስዚ ዚዛመድ ዚዝውተር ኮምፒተራዊ ኣገባብ ርክብ ዚምልከት ዓውደ ፍልጠት) ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣመልኪቶም፡ "ንተፈጥሮ ኣብ ክንዲ ምልማዕ ዕብለላ" ከይግበር ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

'ቤተ ክርስቲያን ጓለንስተይቲ እያ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ኣብታ ደብዳበ ዝተገልጸ ካልእ ነጥቢ፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዝብል ኣሞርኲይዞም፥ እዚ ድማ ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽን በደልን ከምኡ’ውን ስነ - ህልዮኣዊ ቅድመ ፍርዲ እውን መሰረት ገይሮም፥ ኣብ ታሪኽ ድሕነት፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ልዑል ተራ ብምዝካር ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዘሎ ኣገዳሲ ባህሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣስተንቲኖም፣ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንሕንሕ ዝብል ዝኾነ ይኹን ኣተሓሳስባ ነጺጎም። ኣብ ክንድኡ ኣብ ክብርን ሓባራዊ ሰብኣውነትን ዝተሰረተ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ መጀመርታ ዘፍጥረት ከፍቅሩን ክፍቀሩን ተጸዊዖም እዮም” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥

“እቲ ብእንስት ዝልለ፡ እቲ ብሓቂ እንስታዊ ዝኾነ፡ ልክዕ ከምቲ ክብሪ ንባዕሉ ብወረቐት ብዝተጻሕፈ ሕግታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ልብና ብዝተጻሕፈ መበቆላዊ ሕጊ ዝረጋገጽ፡ ብስምምዕ ወይ ብስነ ህልዩ ዝቕመጥ ኣይኮነን”

ክንነብር ኢና ንሰርሕ፤ ክንሰርሕ ኣይንነብርን ኢና

ምስ በሉ ብድሕሪ’ዚ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ስነ ትምህርቲ ኣቃውማ ተማሃሮ ኣማእኪሎም፡ ትምህርትን ባህልን ሓባራዊ ጻዕሪ ስለዝኾነ፡ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ቅዲ መጽናዕቲ ክኽተሉ ኣተባቢዖም ብተወሳኺ ንተማሃሮ ብዛዕባ ድርኺቶም ከስተንትኑ ብምዕዳም፡ ምሉእ ህይወት ምንባር ዝብል ዕላማ ሒዞም ክመሃሩ ዓዲሞም፣ ስራሕ ኩሉ ክኸውንን መወዳእታን ህይወት ክኸውን ከምዘይብሉ ኣጠንቂቖም፥

“ንስራሕ ክንነብር ኣይግባእን፤ ኣብ ክንድኡስ ክንነብር ምእንቲ ክንሰርሕ ይግባእ”

ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንውልቃዊ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋል ክመሃሩ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም፥

መጽናዕቲ ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ሓቂ ዝደሊ እይተኾይኑ ትርጉም ኣለዎ

ንተማሃሮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቫን “ሓቂ ሓራ ስለ ዘውጽኣና” ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ መጽናዕቶም ንሓቂ ክደልዩን ክምስክሩን ተማሕጺኖም፣ ብዘይ ንሱ፡ መጽናዕቲ “መጋበርያ ሓይሊ፡ ንኻልኦት ዝቆጻጸር መንገዲ፤ ዝዕብልል እምበር ዘገልግል ኣይክውንን፥

“ንቅድሚት ሰጒሙ ኣብ ክልተኣዊ ስነ ህልዩ ኣይትእተዉ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 September 2024, 13:50