SAʴý

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰበ - ስልጣን፥ ኤውሮጳ ንሰላም ድልድል ክትሃንጽ ቤልጅየም ተድልያ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ በርገሳዊ ሰበ - ስልጣን እታ ሃገር ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቤልጅየም ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዘለዋ ቦታ ኣጉሊሖም፡ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ድማ "ንቤተ ክርስቲያን ሕፍረት እዩ" እንክብሉ ደጊሞም ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ውዕሎኦም ኣብ በልጂም ንናይ መንግስትን በርገሳውያን ላዕልዎት ኣካላትን ናይ ሃይማኖትን ባህልን መራሕትን ኣብ በልጂም ናይ  ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንቤልጅየም “ኣብ መንጎ እታ ኣህጉርን ደሴታት እንግሊዝን፡ ኣብ መንጎ ጀርመንይናን ፈረንሳን ዝዛረቡ ዞባታት፡ ኣብ መንጎ ደቡባውን ሰሜናውን ኤውሮጳ” ድልድል ምዃና ንኢዶም፥ ዋላ'ኳ ንእሽቶ ስፍሓት ዘለዋ እንተኾነ፡ "ስምምዕ ክዝርጋሕ፡ ዘይምርድዳእ ድማ ክሃድእ ዘኽእል ድልድል" እያ እንክብሉ ከም ዝገልጽዋ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኤውሮጳ ታሪኻ ህዝብታትን ባህልታትን፡ ካቴድራላትን መናብርተ ጥበብን ዝሓለፈ ጸልማት እዋናት ኲናት፡ መግዛእትን ምዝመዛን ከተዘኻኽራ በልጅም ተድልያ . . . ኤውሮጳ በቲ ኣብ መንጎ ህዝባ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ዝመልኦ መገዲ ንምቕጻል በልጅዩም ተድልያ" ብምባል ደጊምዎ ከም ምስ እተሓሳሰቡ፥ ኣተሓሒዞም ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፉ በርገሳውያን መራሕቲ፥ “ሰላምን ስኒትን ሓንሳብ ንሓዋሩ ፈጺሙ እትዕወቶ ኣይኮነን፥ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ እንታይ ደኣ “ብዘየቋርጽ፣ ብዓቢ ጥንቃቐን ትዕግስትን ክፍጸም ዘለዎ ግቡእን ተልእኾን” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተራ ቤተ ክርስቲያን

“ንኹሉ ሰብ ብድሆታትን ጸገማትን ክገጥም ብዘይተሓሰበ ኒሕ ወይ ብጽልሙት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፣ እቲ ብኣምላኽ ዝፍቶ ሰብኣውነት ክፈርስ ዝብል ጽሕፍቶ ከምዘይብሉ ብርግጸይናነት ንዘለኣለም ሰናይን ሰላምን ዝብል ጸዋዕታኡ ናብ ከንቱነት ከይቕየር ምሕጋዝ የድሊ፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ተልእኾኣ ኣብ እትፍጽመሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝረአ “ተነቃፍነትን ጉድለታትን ኣባላታ”፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝረአ “ዘሕምም ጸረ - ምስክርነት ዝኾነ ክፋእ ከተለልዮ ከም ዘለዋ እውን ብግልጺ ከም ዝኣምኑ ሓቢሮም፥ ብፍላይ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን መዓት ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ግህሰት ዘሕዝን እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት “ነቶም ዝቖሰሉ ብምስማዕን ብምስናይን፣ ከምኡ’ውን ምሉእ መደብ ምክልኻል ኣብ ዓለም ብምትግባር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መፋርቕ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ሰፊኑ ዝነበረ፥ ግዱድ ዘኽታማት ምዕባይ” ዝብል ልምዲ ዘኪሮም፣ እቲ ተግባር መብዛሕትኡ ግዜ ብጽቡቕ ዕላማ ዝፍጸም ከም ዝነበረ እውን ብምዝኽካር፥ "ቤተ-ክርስትያን ነቲ ካብ ወንጌል እተረኽበ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ብተንኰል ክትጥቀመሉ ኸላ እውን ከይተረፈ ነቲ ዓብላሊ ባህሊ ንምንጻርን ፈጺማ ንኸይትሰማማዕን ወትሩ ብርታዐ ኽትረክብ” ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥

ካብ ታሪኽ ምምሃር

“መራሕቲ ኣህዛብ፣ ንቤልጅየምን ታሪኻን ብምርኣይ፣ ካብኣ ክመሃሩ ክኽእሉ ኣለዎም” ቢሎም፥ ፖለቲካዊ መራሕቲ ንሰላም ክሰርሑ፡ ከምኡ’ውን “ካብ ሓደጋን ውርደትን ዕሽነት ኲናትን ክርሕቑ ጸልዮም፥ ነቲ ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደትም፥ “ምጒዓዝ ብተስፋ” ዝብል መርሕ ቃል ብምዝካር፥ . . . “ተስፋ” ካልኣዊ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ክንድኡ “ኣብ ልብና ዘሎ ህያብ ኣምላኽ” ምዃኑ ገሊጾም፥ “እምበኣር ንኹሉኹምን ኣብ ቤልጅየም ንእትነብሩን፥ “ኣብ መንገዲ ሕይወትን ታሪኽን ብተስፋ ሓቢርኩም ክትመላለሱ ኩሉ ግዜ ነዚ ህያብ ካብ መንፈስ ቅዱስ ለምንዎ፡ ብሓንሳብ ድማ ተቐበሉዎ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 September 2024, 16:28