SAʴý

2024.09.28 ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ምስ ዘገልግሉ ኢየሱሳውያን ተራኺቦም 2024.09.28 ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ምስ ዘገልግሉ ኢየሱሳውያን ተራኺቦም  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ምስ ዘገልግሉ ኢየሱሳውያን ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካይድዎ ርክብ መሰረት ኣብ ብራስለስ ምስቶም ኣብ ቤልጅየም ዘገልግሉ ደቂ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ብሕታውን ሕውነታውን ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ብጾቶም ኢየሱሳውያን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ቅዱስ ሚሸል ከም እተራኸቡን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ምስ ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ንኽራኸቡ ንቡር ናይ ብሕቲ ህሞት ከም ዝኾነን ከምቲ ልሙድ እውን ነዚ ክሌእዊ ርክብ እዚ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘቕርብሎም ሕቶን ዝህብዎ ምስክርነትን መሰረት ገይሮም ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ብሕታዊ ዕጽው ርክብ ብምዃኑ ድሒሩ በቲ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ኢየሱሳውን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቅዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

30 September 2024, 13:56