SAʴý

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤልጅማውያን መምሃራን መንበረ ጥበብ: ዶባት ኣስፍሑ፣ ሓቂ ድለዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨን ምስ መምህራን መንበረ ጥበብ ቤልጅየም ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ተመራመርቲ ብዘይዕረፍቲ ሓቂ ክደልዩን ዶባት ፍልጠት ከስፍሑን ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መስከረም ናብ ቤልጅየም ኣብ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎኦም በቲ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት ሉቨን ተጓዒዞም ምስ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ መምሃራን ከም ኣተራኸቡን፥ እቲ ኣኼባ ኣብቲ ሎሚ ዓመት መበል 600 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜኡ ዘብዕል ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሎቫይን ዝተካየደ ኮይኑ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ንተማሃሮ ዘይነጻጸል ኵለንተናዊ ውሁድ ሕንጸት ክህባ ከምዘለወን ኣስተንቲኖም፣ ምእንቲ ህሉው ኲነታት ምትርጓም ክመሃሩን ንመጻኢ ክውጥኑን . . . መንበረ ጥበብ ባህላዊ ፍልጠት ፈጺሙ ኣብ ደውታ ስለ ዘይህሉ ድማ፡ ንሓሳባትን ኣስተንፍሶን ንምድላይ ይመርሕ፡

“መናብርተ ጥበብ ከም ጸዓት ባህልን ሓሳባትን ምርኣይ ጽቡቕ ነገር'ዩ . . . ልዕሊ ኩሉ ግን ሓቂ ኣብ ምዳልይ ዘተባብዕን፡ ኣብ ኣገልግሎት ምዕባለ ደቂ ሰባት ዘዕብን" ክኸውን ኣለዎ። ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ወንጌል ናብ ባህሊ ንምብጻሕ ድዩ ንምስራጽ ኣብ ዝገብርኦ ተልእኾ "ዶባት ፍልጠት ከስፍሓ" ኣለወን፡ እዚ ድማ "ብዛዕባ ህይወት ዝርዳእን ዝዛረብን ወሳኒ ቦታ" ክፈጥራ ኣለወን ዝበሉ ቅዱሰንቶም፥ ዘመናዊ ሕብረተሰብና ንሓቂ ምድላይ ዝኣበየ ናይ ምርምር ኒሕ ኣጥፊኡን ዘሎ ይመስል፣ ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ማዕረን ተዛማድን ዝገብር ምጽንናዕ ጥራይ እዩ ዝደሊ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ናብ "ምዝሕታል ኣእምሮ" ዝትርጎም ኮይኑ ኣብ ገዛእ ርእስና ክንዕጸው ይድርኸና . . . ንዝኾነ ነገር ናብ ሕቶ ዘየእቱ ቀሊልን ጻዕሪ ዘይብሉን ምቹእን ‘እምነት’ ናይ ምስሓብ ሓደጋ’ውን ኣሎ” . . . ካልእ ክስገር ዘለዎ ዓይነት ዶብ ድማ ንኹሉ ናብ ንዋታውን ዝርአን ዘውርድ "ህይወት ዘይብሉ ርትዓውነት" ዝምልከት እዩ፡ በዚ መንገዲ እዚ ይብሉ ወሲኾም ቅዱስነቶም፥ "ናይ ምግራም ስምዒትና፡ ናይ ምግራም ዓቕምና ንስእን፡ እዚ ድማ ኪኖኡ ክንጥምት፡ ኣዒንትና ናብ ሰማይ ከነልዕል፡ ነቲ ሕቡእ ሓቂ ክንረኽቦ ዝደፍኣና፡ ንመሰረታውያን ሕቶታት ዝምልስ፤ ንምንታይ እየ ብህይወት ዘለኹ? ትርጉም ህይወተይ እንታይ እዩ? ሓቂ ናይ ምድላይ መንፈስ ካባና ይርሕቕ . . . ዶባትና ከስፍሕ" ጸጋ እግዚኣብሔር ክለምኑ ነቶም መምሃራን (1ዜና 4፡10) ካብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ብዛዕባ ያቤዝ ዝተባህለ ሰብ ዝገልጽ ዛንታ ብምጥቃስ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ ደረትና ዘለና ኣፍልጦ ንቕድሚት ይደፍኣናን "ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ክፉት መስኮት ኮይንና ክንጸንሕ" ይዕድመናን፡

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ሓቂ ኣብ ምድላይ ስደተይናታት ኣብ ብምቕባል ዝገብሮ ሰናይ ጉዕዞ እውን ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

"እቲ ዘድልየና ዶባት ዘስፍሕን ካብ 'ወገናውነት ምፍንጭጫልን መናፍቕነትን' ወይ ድማ ገዛእ ርእስኻ ክብ ብምባል ልዕሊ ካልኦት ገርካ ካብ ምርኣይ ዘርሕቕ ባህሊ'ዩ . . . ኣብ ዓለምና ከም ጽቡቕ 'ማይ ብሑቝ' ዝኾነ ባህሊ የድልየና፡ እዚ ድማ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ደቂ ሰባት ኣበርክቶ ክንገብር ዝድርኽ" ምስ በሉ፥ ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራን ንድኹማት ሓልዮት ዘሀልው ርህሩህን ንኹሉ ዝሓቁፍን ባህሊ ንምህናጽ ክሕግዙ ዓዲሞም፥ "እዚ ሃልሃልታ እዚ ህያው ግበርዎ፤ ዶባት ኣስፍሑ! ዘይሕለሉ ደለይቲ ሓቂ ኩኑ፡ ንኣእምሮኣዊ ልምሰት ምእንቲ ኢድኩም ከይትህቡ ድማ ኒሕኩም ክሃስስ ኣይትፍቀዱ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 September 2024, 16:44