SAʴý

2024.08.29 PAPUA NUOVA GUINEA - PREPARATIVI VISITA PAPA  I cartelloni, sulla strada verso Vanimo, con il benvenuto al Papa 2024.08.29 PAPUA NUOVA GUINEA - PREPARATIVI VISITA PAPA I cartelloni, sulla strada verso Vanimo, con il benvenuto al Papa 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪኻዊ ዑደት ንምክያድ ምስንዳውት የካይዱ ኣለዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 8 መስከረም ናብታ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ እትርከብ ከተማ ቫኒሞ ቅድሚ ምብጻሖም ብፁዕ ኣቡን ፍራንሲስ መሊ በዓል ቫኒሞ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ዝፍጽምዎ ዘሎ ሕብረት ክርስቲያናዊ ወንጌላዊ ዕዮ ኣሞጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከተማ ቫኒሞ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝርከብ ካቶሊካውያን ምእመናን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ8 መስከረም ዝገበርዎ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ ። ብፁዕ ኣቡን ፍራንሲስ መሊ ንእምነት ካቶሊካውያን ምእመናንን ከምኡ ውን ናይቶም ኣብ ኣውራጃ ምዕራብ ሰፒክ ዝርከቡ ብዙሓት እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን ሕብረት ንምድልዳል ዝዓለመ ታሪኻዊ ፍጻመ ንምግባር ብዛዕባ እተገብረ ሰፊሕ መንፈሳውን ናይ ስርሒትን ቀረብን ውዳበ ብዝርዝር ገሊጾም ኣለዉ።

ብመዓልታዊ ጸሎታት ምስንዳውን ከምኡ ውን እዚ ጸሎታት ናብቲ ኻልኣይ ሃገራዊ ቛንቋ እታ ሃገር ናብ ዝዀነ ፒጂን ምትርጓምን ሓደ ክፍሊ ናይዚ መንፈሳዊ ምድላዋት እዩ ዝነበረ ። ሰሙናዊ ሓሙስ ስግደት ቅዱስ ቍርባን ምክያድን፣ ንሕዝቢ ናይ ንቅቓሕ መደባት ብዛዕባ ዝካየዱ ንጥፈታትን፣ ንማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካይድዎ ዑደትን ትምህርትታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ንምምሃር ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ምድላዋት እዚ በቶም ነዚ ምብጻሕ እዚ ንምስላጥ ደኺመ ኸይበሉ ዚዓዩን ከም ናይ እንግዶትን ትሕተ ቅርስን ዝኣመሰላ ውፉያት ኮሚተታት ዚገብርዎ ጻዕርታት ዝምልከት እዩ ። ካብ በርማ ዝመጹ ልኡካነ ወንጌል ካህናት ንከም ኣኽራን ቴለፎሚንን ሩባታት ሰፒክን ዝኣመሰለ ግሉል ቦታታት ኣብ ምብጻሕ ዓብዪ ተወፋይነት ገይሮም እዮም።

ናይታ ኣውራጃ ምትሕብባር ምስ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን እውን ዓቢይ ተሳትፎ ዝገብር ኢዩ፣ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ መባእታዊ ዀነ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ ናይ ጥዕና ማእከላት ውን ዘማእከለ ኢዩ። እዚ መሳለጥያታት እዚ ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ጕስነትን ንምክንኻንን ንምድጋፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።

ዋሕዲ ቍጽሪ ካህናትንን ኣብ ቍምስናታት ዘሎ ጉድለት መሰረታዊ መዋቕርን ዝኣመሰለ ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም እቶም ጓሶት ነፍሳት ግን ንተልእኾኦም ውፉያት ኰይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ዘለዉ። ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎታት ንምሃብን ምስጢራት ንምዕዳልን ከምኡውን ንዝሓመሙ ንክንኻንን ዝሞቱ ንምቕባርን ብትብዓት ኣጸጋሚ መገድታት ተጓዒዞም ኢዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ።

እቲ ብታሪኽ ሃብታም ዝኾነ ናይ ቫኒሞ ወንጌላዊ ተልእኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብ1903 ዓ.ም. ኢዩ ተጀሚሩ፣ ከም ህንጸት እታ ቐዳመይቲ ቤተ - ክርስትያን ብ1940 ከምኡውን ብ1965 ናይ መጀመርታ ነፋሪት ወንጌላዊ ተልእኾ ምዕዳግ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ፍጻመታት እውን ተኻይዱ እዩ ። እታ ሰበኻ ድማ ካብ ማሕበር ሕማማት ዘእግዚእነን ከምኡ ውን ካብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ናይ ወጻኢ ልኡካነ ወንጌል ብዝመጹ ፍሉጣት ኣካላት ኢዩ ተመሪሑ ።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቫኒሞ ንቅዱስነቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ንምቕባል  ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ ።

02 September 2024, 17:03