SAʴý

ሊባናዊ ሊቀ ጳጳሳት ቻርቤ፥: 'ኲናት ዝደሊ የለን' ሊባናዊ ሊቀ ጳጳሳት ቻርቤ፥: 'ኲናት ዝደሊ የለን' 

ሊባናዊ ሊቀ ጳጳሳት ቻርቤ፥: 'ኲናት ዝደሊ የለን'

ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ጢሮስ ሊቀ ጳጳሳት ቻርቤል ዓብደላ ድሕሪ እቲ ኣብ ሊባኖስ ናይ ሂዝቦላሕ ማእከል መራኸቢታት ብዙሃን ዒላማ ዝገበረ ፍንጀራዊ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዘሎ ናይቲ ከባቢ ተመኩሮ ከካፍሉ እንከለዉ፥ ውግእ ይኹን ምብራኽ ውግእ ዝደሊ ሰብ ከምዘየለ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕጂ’ውን ህዝቢ ደቡባዊ ሊባኖስ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝተፈጥረ ግጭታት ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ።

ብዙሓት ድሮ ካብቲ ዞባ ከም ዝሃደሙን ኣሽሓት ካብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤል ካብ ዝርከባ ዓድታቶም ወጺኦም፡ ኣብ በይሩት ወይ ካልኦት ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዕቝባ ሓቲቶም ከም ዝርከቡ ይሕብሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ መዓልታዊ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝካየድ ግጭታት ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልታዊ ተመክሮ ኮይኑ ከም ዘሎን፥ እቲ ብሰሉስ ዕለት 17 መስከረምን ረቡዕ ዕለት 18 መስከረምን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ መራኸቢታት ብዙሃን ሂዝቦላህ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ነቲ ጭንቀትን ዘይርጉጽነትን ከም ዘጋደዶ የመላኽቱ።

ምሉእ ኲናት ከይካየድ ስግኣት

ኪኖ እቲ ቅጽበታዊ ዒላማ ተዋጋእቲ ሂዝቦላህ፡ እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ዞባ ብኸፊል ዳግመ - ምውፋር ሰራዊት ከም ዝኣወጀትን እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ሰፊሕ ኲናት ከይካየድ ዳግማይ ስግኣት ኣበጊሱ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ መደበራት ሂዝቦላህን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ሓድሽ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሓሙስ ዕለት 19 መስከረም፡ ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣንጻር ሃገሩ እትገብሮ ዘላ መጥቓዕቲ "ብዝተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝተሰነየ ኣጽዋር ዝካየድ ውግእ” ክብል ዝገለጾ ዘሰክፍ ኩነታት ደው ንምባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንጎይና ክኸውን ከም ዝጸወዐን ዜጋታት፡ እቲ ኣብ 2006 ዓ.ም. እተገብረ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ከቢድ ጾር ዝሓደገ ኩናት ዘስዓቦ ከቢድ ማህሰይቲ ካልእ ውግእ ክጻወር ተኽሎ የብሉን . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብራኽ ውጥረትን ውግእን ዝደሊ ሰብ የለን

ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ናይ እትርከብ ዓባይ ከተማ ጢሮስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ቻርቤል ዓብደላ፥ "እቲ ግጭት ክጋደድ ዝደሊ ሰብ የለን" . . . ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ተኣፋፊ ኩነታት ህዝቢ እቲ ከባቢን ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ሰራዊት እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝተፈጸመ ኣዕናዊ ኲናትን ዘኪሮም ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ማሕበረሰብ ዓለም ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣለዎ ምስ በሉ፥ ኣብ መወዳእታ ይብሉ እቲ ውግእ እውን እናሃለወ ጸሎት ማእከል ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ክርስትያን ከም ዝኾነ የረጋግጹ።

21 September 2024, 16:58